እዚ ጸብጻብ ምስ ዓመጽ ግብረስጋ ዝተሓሓዝ ትሕዝቶ ዘለዎ እዩ።
ናይ ኢትዮጵያ መንግስቲ "ጽኑዕ ከበባ" ናይ ትግራይ ነቶም ኣብቲ ንዓመት ዝቐጸለ ኲናት ጉድ ኣት ዝወረዶም ናይ ጥዕና ኣገልግሎት ንምርካብ ገቲኡ ከምዘሎ ሂማን ራይትስ ዎች (HRW) ብረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሓቢሩ ።
እዚ ናይ HRW ጸብጻብ ምስ ናይ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጸብጻብ ብሓባር ዝወጸ ኮይኑ ፡ እቲ ናይ ትግራይ ተቓለስቲ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ከተማ መጥቃዕቲ ፈጺሞም ፡ ደቂ ኣንስትዮ ዓሚጾም፡ ዘሪፎምን ቀጥቂጦምን እዮም ፡ ክብል ኣፍሊጡ። እዚ ድማ እቲ ኲናት እዋናዊ ዘሻቕል ኩነታት ምዃኑ ምስክር እዩ ኢሎም ።
ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለዉ ኣካላት ፡ ሰፊሕ ጾታዊ ዓመጽን ኰነ ኢልካ ኣብ ልዕሊ ትካላት ጥዕና ዕንወት ምፍጻም ዓመጽን ከም እተፈጸመ ፡ እዚ ከኣ ነቶም ካብ ሽዱሽተ ኽሳዕ 80 ዝዕድሚኡ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ኣካላውን ኣእምሮኣውን በሰላ ከም ዘለዎ ዘመልክት ከም ዝዀነ ፡ HRW ከሲሱ።
[
"]
"እቲ መንግስቲ ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝገብሮ ዘሎ ጽኑዕ ከበባ ፡ ነቶም ጉድኣት ዝወረዶም ከይርድኡ ግዳይ ይገብሮም ኣሎ" ብምባል ፡ግቡእ ሕክምናን ስነ-ኣእምሮኣዊ ክንክንን ክረኽቡ ከምዘይክእሉ ከልኪሉ ኣሎ ኢሉ።
እቲ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ብጾታዊ ርክብ ንዝመሓላለፉ ሕማማት ፣ ዝተሰብሩ ኣዕጽምቲ ፣ ቁስሊ ማህጸንን ድሕሪ ዓምጽ ዝወርድ ጭንቀት ፍወሳ የድልዮም ።
ሓላፊት ተሓላቒ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ሂርወዝ ኒሻ ቪርያ "እቲ ኣብ ትግራይ ከቢድ ውግእ ካብ ዝጅምር ሓደ ዓመት ኮይኑ ዘሎ: እቶም ካብ ጾታዊ ዓመጽ: ማለት ብ ብጉጅለ ጾታዊ ዓመጽ ዝወረዶም ሰባት ናይ ጥዕናን ደገፍን ኣገልግሎት የድልዮም እዩ" በለት ።
"ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ትግራይ ዘስካሕክሕ መግሃስቲ ኣጋጢምወን ጥራይ ዘይኰነስ ፡ ናይ መግቢ፡ ሕክምናን ካልእ ንህይወተን ድግም ንምድሓን ዘድሊ ሓገዝ እውን ከይረኽባ ተዓጽየን ኣለዋ።"
'ዘሰክሕ ተግባር'
እቲ ኣብ ከተማ ንፋስ መውጫ ምስ 16 ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝፈጸመለን ሰባት ቃለ-መጠይቕ ዝገበረ ናይ ኣምነስቲ መርመራ ፡ ነቲ ኣቐዲሙ ብጉጅለ ተጣበቕቲ መሰላት ዝቐረበ ጸብጻብ ማለት ፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ብ ኢትዮጵያዊያንን ኤርትራውያንን ወተሃደራት ዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጽ ብኣማእታት ዝቝጸራ ኣንስትን ኣዋልድን ከም ዝተዓመጸ ሰኒዱ ዘቕረቦ ስዒቡ እዩ።
ኣብ ወርሒ ነሓሰ ብህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣብ ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ዘተኮረ ጸብጻብ ፡ 14 ካብ 'ተን ቃለ-መጠይቕ ዝገበረለን 16 ደቀንስትዮ ንኣምነስቲ በቶም ዓመፅቲ ከምዝተዓመጻ ፡ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ጠበንጃ ተተኺልወን ደቀን እናረኣይወን ብጉጅለ ተዓሚጸን'የን ።
ዋና ጸሓፊ ኣምነስቲ ፡ ኣግነስ ካዋማርድ ፡ "ካብተን ግዳያት ዝሰማዕናዮ ምስክርነት ፡ ነቲ ብተቓለስቲ ወያነ ዝተፈጸመ ተግባራት ብገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ዘኽስስ እዩ" በለ ።
ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ኣምነስቲ ከምዝገለጾ ፡ ገበየነሽ ( እምበር ናይ ሓቂ ስማ ዘይኮነ) ፡ ደቂ ትሽዓተን 10ን ዓመት ዝዕድሚኦም ደቃ እናበኸያ ብጉጅለ ከምተዓመጸት ሓበረት ።
እታ እንጀራ ትሸይጥ ጓል 30 ዓመት ዝዀነ ሰበይቲ ፡ "ደቀይ እናበኸዩ ፡ ሰለስተ ካባታቶም ዓሚጾምኒ" በለ ። "ጸፊዖምኒን ቀሊዖምኒን። ከምምትኳስ ኣብ ግምባረይ ጠበንጃ ተኺሎም" ኢላ።
ብዙሓት ካብተ ተዓመጽቲ ነቶም ግዳያት ዓሌታዊ ጸርፊ ይጸርፍዎም ከምዝነበሩ ፣ ሓንቲ ጓል 28 ዓመት ኣደ-ክልተ ቖልዑ ንኣምነስቲ " ሓደ ካብቶም ኣርባዕተ ጓላ እናረኣየታ ኣድጊ" ይብላ ከምዝነበረ ሓቢራ።
"'ኣምሓራ ኣድጊ እዩ: ኣምሓራ ንህዝብና ብጃምላ ቐቲልዎ: ሓይልታት ምክልኻል ፌደራል ንሰበይተይ ዓሚጾምዋ: ሕጂ ግን ከም ድላይና ክንዕምጸኪ ንኽእል ኢና" እዩ ዝብል ነይሩ ።
ካልእ ሰበይቲ ተጋደልቲ ህወሓት ድሕሪ ምዕማጾምን ብሽጕጦም ምስ ወቕዕዋን ሃለዋታ ኣጥፊኣ ከምዝወደቐት እቶም ሰባት ስልማታ እውን ከም ሰሪቖምዋ። ንኣምነስቲ ነጊራቶ ።
ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኣምሓራ ንኣምነስቲ ከምዝገለጽዎ ተጋደልቲ ወያነ ኣብታ ከተማ ን ትሽዓተ መዓልታት ኣብዝጸንሓሉ ልዕሊ 70 ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ኒፋስ መውጫ ከምዝተዓመጻ ጸብጺቦም' ለው ።
እቲ ናይ መሰላት ጉጅለ መብዛሕትአን እተን ቃለ-መጠይቕ ዝገበራ ኣንስቲ ብሰንኪ እቲ ጾታዊ መጥቃዕቲ ናይ ጥዕና ጸገም ከምዘለወን ይገልጽ ፡ እንተኾነ ግን ኣብ ናይ ወያነ መጥቃዕቲ ሆስፒታል ኒፋስ መውጫ ምስ ተበላሸዋ ዘድሊ ሓገዝ ክረኽባ ኣይከኣላን ።
እቲ ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ መራኸቢ ኣገልግሎት ኣብ መግለጺኡ "እቲ ብግብረ-ሽበራውያን ወያነ ዝፍጸም ግፍዒ ብዅሉ ኽውገድ ኣለዎ" ድሕሪ ምባል "ኣብቲ ሕጂ ዘለዎ ክልታት እውን ዝያዳ ኢሰብኣዊ ተግባራት ይፍጸም ኣሎ" ኢሉ ።
ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብጃምላዊ ቅትለትን ተሓተቲ ብዝኾኑ ሰባትን ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ተቐቲሎም ፡ ክልተ ሚልዮን ድማ ተመዛቢሎም ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሓላፊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሚሸል ባቸለትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ዝወጸ ሓባራዊ መርመራ ፡ "ከቢድ ግህሰት" ብዅሉ ሸነኻት ከም እተፈጸመ ዘረጋግጽ መርትዖ ከም እተረኽበ ፡ እዚ ድማ ገለ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ምስ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ክተሓሓዝ ከም ዝኽእል ይገልጽ ።
If you or someone you know is impacted by sexual assault, call 1800RESPECT on 1800 737 732 or visit . In an emergency, call 000.