ኣብ መቐለ ብዝተገብረ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ፡ ቆልዑ ከምተቐትሉ ጸብጻባት ሓቢሮም።

ኣብ ትግራይ ዝዓበየ ሆስፒታል ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ክልተ ቆልዑ ዝርከብዎም ሰለስተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ገሊጹ ።

In this Saturday, May 8, 2021 file photo, Ethiopian government soldiers are seen on a road near Agula, north of Mekele

In this Saturday, May 8, 2021 file photo, Ethiopian government soldiers are seen on a road near Agula, north of Mekele Source: AP

ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ብኲናት ዝተሃሰየት ክልል ትግራይ ብሰኑይ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ኣካይዱ ፡ እዚ ድማ ኣብቲ ንዓመት ዝቐጸለ ግጭት ናብ ዝለዓለ ብራኸ ከምዘዕብዮ ተፈሊጡ።

እቲ መንግስቲ ኣብ ፈለማ ነቲ ኣብ መቐለ ዝወረደ ደብዳብ "ምሉእ ሓሶት" ዩ " ብምባል ነቲ ጸብጻብ እኳ እንተነጸጎ ፡ ጸኒሑ ግና እቲ ሓይሊ ኣየር ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ወያነ) ከም ዝወቕዐ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣረጋጊጸን እየን ።

ኣብ ናይ ትግራይ ዝዓበየ ሆስፒታል ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ክልተ ቆልዑ ዝርከብዎም ሰለስተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ገሊጹ ።

ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ካብ መጀመርታ ናይቲ ማእለያ ዘይብሎም ሰባት ዝቐተለን ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘለዓዓለን ውግእ ነፈርቲ ኣብ መቐለ ንፈለማ ግዜ እየን ኣጥቂዐን።

እቲ ብነበርቲ ፡ ሰብኣውያን ሰበ-ስልጣንን ዲፕሎማሰኛታትን እተነግረ ደብዳብ ፡ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ሓድሽ መጥቃዕቲ ብምግባር ጸቕጢ ክገብር ኣብ ዝጀመረሉ እዋን እዩ ።
Ethiopia's Prime Minister Abiy Ahmed speaks behind bulletproof glass at his inauguration ceremony earlier in October
Ethiopia's Prime Minister Abiy Ahmed speaks behind bulletproof glass at his inauguration ceremony earlier in October Source: AP
ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ከምዝገለጾ፡ ህወሓት ዝጥቀምሉ ናይ ሚድያን ናይ መራኸቢ መሳርሒን ከምዝተወቕዐ ድሕሪ ምግላጹ "ኣብ እቲ መጥቃዕቲ ኣየር ሲቪላዊ ሰባት ንኸይሞቱ ንምክልኻል ዝተወስደ ስጉምቲ ዕዉትኔሩ" ኢሉ ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ብዛዕባ እቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ናዕቢ ተቓውመኦም ኣስሚዖም ኣለዉ።

ሓደ ካብቲ ዝተገብረ መጥቃዕቲ ኣብ ጥቕእ ኣብ ጫፍ ከተማ መቐለ ዝርከብ ፋብሪካ ስሚንቶ ከም እተፈጸመ ፡ እቶም ምንጭታት ገሊጾም።

እቲ ካልኣይ ፡ ኣብ ጥቓ ፕላኔት ሆቴል ዝርከብ ማእከል ከተማ ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ውድብ ህወሓት ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ እዩ ።

'Crying wolf'

ኣፈኛ መንግስቲ ኣብ ፈለማ ነቲ ጸብጻባት "ንማሕበረሰብ ዓለም ንምትላል" ብህውሓት ዝተኣልመ ኣብ ልዕሊ እታ ብብዝሒ ህዝቢ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ካልኣይ ደረጃ እትስራዕ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ከም ንምግባርን ገይሩ እዩ ኣቕሪብዎ ።

"ኣብ መቀለ ፡ ክፋል ናይ ኢትዮጵያ ኣብ ዝዀነት ከተማ ሰላማውያን ሰባት ፡ ዜጋታትና ኣብ ዝነብሩላ መጥቃዕቲ እንፍጽመሉ ምኽንያት ወይ ውጥን የልቦን ። እዚ ፍጹም ሓሶት እዩ " ክብል ሓላፊ ኣገልግሎት ርክብ መንግስቲ ኣቶ ለገሰ ቱሉ ንማዕከናት ዜና AFP ሓቢሩ ኔሩ ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ንህወሓት "ኣውያት ተዅላ" ክብል ብምኽሳስ ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ኣምሓራን ዓፋርን ፡ ማለት ኣብ ጎረባብቲ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ እቲ ኲናት ዘስፋሕፈሓሉ ዘሎ ከባቢታት ንምሽፋን ዝፈጠሮ እዩ ክብል ገሊጹ ።

ኣብ መወከሲ ሆስፒታል መቀለ ናይ ምርምር ዳይረክተር ዝዀነ ዶ/ር ሓየሎም ከበደ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፡ "ብዙሓት በቲ መጥቃዕቲ ዝቖሰሉ" ናብቲ ሆስፒታል ከምዝመጹን ክልተ ቘልዑ ዝርከብዎም ሰለስተ ሰባት ከም እተቐትሉን ገሊጹ ኣሎ ።

ኣፈኛ ህወሓት ጌታቸው ረዳ ኣብ ትዊተር ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ: ሓይልታት መንግስቲ "ብኸቢድ ይሰዓሩ" ከም ዘለዉን እቲ ኣብ ብኣየር እተፈነወ መጥቃዕቲ: ሰኑይ ኣብ ከተማ መቐለ መዓልቲ ዕዳጋ ከም ዝዀነን ብምምልካት: ኣብ ልዕሊ ሲቪል ሰባት ሕነ ንምፍዳይ ዝዓለመ ከም ዝዀነን ገሊጹ ።

ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊ ኣንቶንዮ ጉተረስ ብዛዕባ እቲ እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት "ኣዝዩ ኣተሓሳሳሳቢ " ከምዝኾነ ብምግላጽ ፡ ኵሎም ወገናት ንሰላማውያን ሰባት ዒላማ ካብ ምግባር ክቝጠቡን ኲናት ደው ከብሉን ኣፈኛኡ ስቴፋን ዱጃሪክ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ጸዊዑ ።

ናይ ኣመሪካ ኣፈኛ ደፓርትመንት ስቴት ኔድ ፕራይስ እውን ተመሳሳሊ ምሕጽንታ ኣቕሪባ እያ ።

"ኵሎም ወገናት ተጻብኦታት ብቕልጡፍ ደው ከብሉን ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ንህውሓት ፡ ብዘይ ቅድመ-ኵነት ናብ ዘተ ክኣትዉ ንምሕጸን ።" ኢላ

ኣብ ሕዳር ፡ እቲ ውግእ ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ ፡ ዳርጋ ክልተ ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም እዮም ፣ ጃምላዊ ቅትለትን ጃምላዊ ጾታዊ ዓመጽን እውን ከም እተፈጸመ ጸብጻባት ኣለዉ።

እቲ ኲናት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ምዕራባውያን ሓይልታትን እንተላይ ኣብ መንጎ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘረሓሓቐ ጌሩ ኣሎ። ኢትዮጵያ ቀንዲ መሓዛ ኣመሪካ እንተነበረት እኩ ኣብዚ እዋን ግና ካብ ምዕራባዊያን ሃገራት ናይ ማዕቀብ ሓደጋታት ኣንጸላልይዋ ኣሎ።


Share
Published 19 October 2021 10:27am
Source: AFP, SBS


Share this with family and friends