ኣብ ኢትዮጵያ "ኣብ ስራሕ ግብረ ሸበራ" ተሳቲፍኩም ተባሂሎም ብውሕዱ 16 ናይ ዉሕሃ ሰራሕተኛታት ተኣሲሮም።

ኢትዮጵያ "ኣብ ግብረ ሽብር ተሳትፎም" ብዝብል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ብውሕዱ 16 ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትያ ኣላ ።

A rally organised by local authorities to show support for the Ethiopian National Defense Force in downtown Addis Ababa, Nov. 7, 2021

A rally organised by local authorities to show support for the Ethiopian National Defense Force in downtown Addis Ababa, Nov. 7, 2021 Source: AP

ብውሕዱ 16 ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ተኣሲሮም ኣለዉ ፡ ኣፈኛ መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ዘውጽኦ ህጹጽ እዋን ፡ እቲ ንዓመት ዝቐጸለ ውግእ እናገደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ፡ ኣብ ትሕቲ "ሽበራ ብምስታፍ" ከም እተታሕዙ ገሊጹ ኣሎ ።

ኩሎም እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ፡ ትግራዎት እዮም ፡ ክብል ሓደ መንነቱ ክገልጽ ዘይደለየ ሰራሕተኛ ትካል ገባሪ ሰናይ ን ኣሶሸትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ።

ኣፈኛ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ስቴፋን ዱጃሪክ ፡ ው.ሕ.ሃ. ነቲ ዝተገብረ ማእሰርቲ ዝኾነ ምኽንያት ከም ዘይብሉ ተዛሪቡ ፡ እንተኾነ ግን ፡ ህጹጽ ኩነታት ካብ ዝእወጅ ንነጀው ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሰፊሕ ናይ ማእሰርቲ ወፍሪ ከም እተፈጥረ ፡ ህዝቢ ብመሰረት ዓሌቱ ጥራይ ዒላማ ይኸውን ከም ዘሎ ሓቢሮም ።

ሚስተር ዱጃሪክ ንጋዜጠኛታት ፡ "ኣንጻር ፍቓዶም ኣብ መዳጎኒታት ተኣሲሮም ኣለዉ" ኢሉ ።

ካልኦት ሽዱሽተ ሰራሕተኛታት ተታሒዞም ድሕሪ ምጽናሕ ነጻ ከም ዝወጹ ዝሓበረ ንሱ፡ ብዙሓት ጽግዕተኛታት ናይዞም ሰራሕተኛታት እውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ኣለዉ ።

ው.ሕ.ሃ. ንናይ ኢትዮጵያ ናይ ወጻኢ ሚኒስትሪ እቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ብህጹጽ ንኽፍትሑ ሓቲቱ ኣሎ ።


ኣፈኛ መንግስቲ ለገሰ ቱሉ ፡ብዛዕባ እቲ ዝተገብረ ማእሰርቲ ፡ ዝርዝር ሓበሬታ ኸይሃበ "ብሰሪ ኣበሳኦምን ኣብ ሽበራ ብምስታፎምን" ከም እተፈጸመ ገሊጹ ኣሎ ።

እቲ ኵነታት "ምስ ቤት ፅሕፈቶምን ስራሖምን" ምንም ርክብ ከም ዘይብሉ ገለጸ ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣንጻር መንግስቲ ክቃለሱ ዝጸንሑ ተቐናቐንቲ ሓይልታት ትግራይ ይድግፉ እዮም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ሰባት ኣብ ቀይዲ የእትዎም ከምዘሎ ይገልጽ።

ኣብዚ ሰሙን እዚ ናይ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ኮምሽን ነቲ ሓድሽ ናይ ማእሰርቲ ማዕበል "ኣብ ብሄር ዝተመርኮሰ ይመስል" ብምባል ኣተሓሳሳቢ ገይሩዎ ኣሎ ፡ ዓበይትን ህጻናትን ዘለውዎም ኣዴታትን ድማ የጠቓልል ።

እቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ ሰባት ፡ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ ካህናት ፡ ፈለስቲን ካልኦት ኣቕሽሽትን ከም ዝርከብዎም AP ኣረጋገጸ ።
ናይ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ልኡኻት ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ፡ ተኹሲ ደው ንኽብሉ ንምትብባዕ ይጽዕሩ ኣለዉ ።

እቲ መንግስቲ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብዚ ዓመት "ዚ ንሓይልታት ትግራይ ኣሸባሪ ጉጅለ ኢሉ ኣዊጁ ነይሩ ።

እቲ ልኡኽ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፡ ብኽልቲኡ ዘለዉ ተዋጋእቲ ወገናት ፖለቲካዊ ፍታሕ ከም ዝደልዩ ፡ ንእሽቶ "መስኮት ዕድል" ከም ዘኪ ገሊጹ ኣሎ ።

ኣብ ው.ሕ.ሃ ናይ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ግን በቲ ሓደ ወገን መንግስቲ በቲ ካልእ ወገን ድማ "ገበናዊ ጉጅለ" ስለ ዘሎ ነዚ መፍትሒ ምርካብ ቀሊል ኣይኮነን ኢሉ ።

ኣብቲ ንዓመት ዝቐጸለ ውግእ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ተቐቲሎም ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ተኣሲሮም ፡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ድማ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም እዮም ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣብ ዞባ ትግራይ ዝርከቡ ሰባት: መግቢ: መድሃኒትን ካልእ ሓገዝን ብምኽልካል ህዝቢ የጥሚ ኣሎ ኢሉ ይኽሰስ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘይመርትዖ ነቲ ቅልውላው ብሓሶት ከምዝጋደድ ይገብሩ ኣለዉ ብዝብል ምኽንያት፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሸውዓተ ሰራሕተኛታት ው.ሕ.ሃ. ካብታ ሃገር ሰጒጉ እዩ።


Share
Published 10 November 2021 11:55am
Source: AAP, SBS


Share this with family and friends