ብምኽንያት ሞት ጆርጅ ፍሎይድ ዝግበር ዘሎ ናዕቢ፡ ንምቁጽጻሩ ልዕሊ ዓቕሚ ፖሊስ ብምዃኑ 13,000 ሃገራዊ ሓለዋ (National Guard) ተጸዊዑ።

ሞት ጆርጅ ፍሎይድ ዘባርዖ ናዕቢ ኣብ ብዙሓት ከተማታት ኣመሪካ ተወሳኺ ዕግርግርን ዘይምርግጋእን ፈጢሩ።

20200531001471280433-original.jpg
 ብምኽንያት ሞት ጆርጅ ፍሎይድ ንኣኽበርቲ ሕጊ ልዕሊ ዓቕሞም ዝኾነ ኣብ ብዙሕ ከተማታት ኣመሪካ ሊሒሙ ዘሎ  ዕግርግር፡ ተወሳኺ ወተሃደራት ናሽናል ጋርድ ክዋፈር ናይ ሚኖሶታ ኣመሓዳሪ ጠሊቡ።

እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ዕግርግር ኣብ ብዙሓት ከተማታት ንመሰል ጸለምቲ ኣመሪካዊያን ክሕሎ ብዝብል ሰልፊታት ልዕሊ ዓቕሚ ሓይሊታት ከባቢ እናኾኑ ይኸዱ ከምዘለዉ ሰብ መዚ ይሕብሩ ኣለዉ።

ካብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ኣመሪካ ካብዝተራእዩ ዕግርግር እቲ ዝኸፍአ ምዃኑ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።
A supporter holds a photo of George Floyd on the site where the 46-year-old died in police custody.
A supporter holds a photo of George Floyd on the site where the 46-year-old died in police custody. Source: Star Tribune
ኣብ ኒው ዮርክ፡ ዳላስ፡ ኣትላንታን ኣብ ካልእ ከተማታትን ናይ ፖሊስ መኻይንን ንብረትን ብሓዊ ተባሪዕም፡ ኣብ ዋሽንግቶን ዋይት ሃውስ ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ተቐሚጡከሎ ኣብ ኣፍደገ ሰልፈኛታት ንሰዓታት ክጭድሩን ክጭርሑን ኣሕሊፎሞ።

ኣማሓዳሪ ቲም ዋልዝ ከምዝገለጾ፡ ነቶም ኣብ ሚኒያፖሊስ-ከባቢ ሴንት ፖል ዱካናት ዝሰርቁ ዘለዉ ሓዊ ዘቃጽሉን ዘለዉን ኣብ ትሕቲ ቁጽር ንምውዓል ብምሉኦም 13,000 ድልዱላት ናይ ሚኒሶታ ሃገራዊ ጋርድ ክዋፈሩ ድሕሪ ካልኣይ ዉግእ ዓለም ንፈለማ እዋን እዩ።
ንሱ ብተወሳኺ ሰላም ንምዕቃብ ወተሃደራት ንክለኣኹ ምስ ፐንታጎን ከምተዘራረበ ገሊጹ። "The New York Times" ከምዝጸብጸቦ ድማ ንብዙሕ ዓሰርተታት ዓመታት ዘይተወስደ ስጉምቲ ሚስተር ትራምፕ ወተሃደራዊ ፖሊስ ክዋፈር መተሓሳሰቢ ኣቕሪቡ ኣሎ።

ሚስተር ዋልዝ ከምዝገለጾ ነቲ ብሰኑይ ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ክመውት ዝተገብረ ጆርጅ ፍሎይድ ብኣፍሪቃዊያን ኣመሪካዊያን ዝኽሪ ኣብ ዝግበረሉ እዋን ሰላማዊ ተቓዉሞ ኣብዝግበረሉ ደገፉ ከምዝቕጽል ገሊጹ ኣሎ።
A protester looks on at a burning building in Minneapolis, early Saturday, May 30, 2020, amid protests against the death of George Floyd in police custody on Memorial Day. (Khadejeh Nikouyeh/News & Record via AP)
A protester looks on at a burning building in Minneapolis. Source: AAP
እንተኾነ ሚስተር ዊልዝ ተቓወምቲ ነቲ ሕጊ ድሕሪ ሰዓት 8 ሰዓት ተኣዊጁ ዘሎ እዋን እቶ እቶ ምጥሓስን ነታ ከተማ ምዕናውን ምስ ሞት ፍሎይድ ዘተሓሕዝ ከምዘይብሉ ኣጠንቂቑ።

"ትጽቢትና እቲ እቶ እቶ ክሕሎን፡ ስርዓት ክምለስን እዩ።" ክብል ሚስተር ዋልዝ ገሊጹ።

"ሎሚ ለይቲ ኣብ ጽርግያታት ሓደገኛ ኩነታት ክፍጠር ይኽእልዩ" ኣጠንቂቑ ንሱ።

እቲ ዝተገብረ ዘረፋን ምንዳድን ብ ኣባላት ዕግርግርን ጉጀለታት ንልዕሉነት ጻዕዳ ዝንቀሳቐሱ ምዃኖም ብምግላጽ : "ዕላማና ነዚ ሓይሊ ኣብዝቐልተፈ ምድኻም እዩ።" ኢሉ።

'ከተንፍስ ኣይከኣልኩን'

እቲ ነዚ ገበን ዝፈጸመ ጻዕዳ ፖሊስን ብገበን ተኸሲሱ እንተሎን ኣብ ኡ ዝተሳተፉ ኩሎም እንተተባረሩኳ እቲ ሰልፊን ናዕቢን ኣብዚ ቀዳመ ሰንበት ከምዝቕጽል ትጽቢት ኣሎ።

እቲ ብሰኑይ ዝተዘርግሐ ቪደዮ ከምዘመልክቶ፡ ነቲ ሚስተር ፍሎይድ ዝገበሮ ጻዊዒት ነጺጉ ምጭፍላቑ ቀጺሉ። "በጃኹም፡ በጃኹም፡ በጃኹም፡ ከተንፍስ ኣይከኣልኩን፡ በጃኹም " ሚስተር ፍሎይድ ነቲ ፖሊስ ክልምኖ ይስማዕ። ድሕሪ ብዙሕ ደቓይቕ፡ እቲ ካልእ ፖሊስ "ተረጋጋእ/ ረላክስ" ክብሎ ይስማዕ።

ልዕሊ ዓቕሚ ዝኾነ ብዝሒ ተቓዉሞ

ነቲ ካብ ሰዓት 8 ሚሸት ክሳብ ንግሆ ሰዓት 6 ተነቢሩ ዘሎ ሰዓት እቶ እቶ ብዘየገድስ ብዓርቢ ለይቲ  እቲ ናዕቢ ኣብ ሚንያፖሊስ ቀጺሉ እዩ።

ነቲ ኣብታ ከተማ ዝርከብ ሓይሊ ፖሊስ እታ ከተማ ነቲ ኩነታት ንምቁጽጻር ኣማኢት ወተሃደራት ሃገራዊ ሓለዋ እንተተጸወዐ'ኳ ነቲ ሕጊ ንምኽባር ኣይተኻእለን ዘሎ።

እንተኾነ እቲ ትማሊ ብተለቪዥን ዝመሓላለፍ ዝነበረ እቲ ዝግበር ዘሎ ናዕቢ ሞት ጆር ፍሎይድ ብምሕዛን ዘይኮነ ካልእ ዕላማ ዘለዉ እዩ ክብሉ ሰብ መዚ ኣፍሊጦም ኣለዉ።
Waandamanaji waharibu gari ya polisi mjini Atlanta maandamano ya kifo cha George Floyd yakisambaa kote nchini Marekani
Waandamanaji waharibu gari ya polisi mjini Atlanta maandamano ya kifo cha George Floyd yakisambaa kote nchini Marekani. Source: Atlanta Journal-Constitution
እቲ ሕጊ እቶ እቶ ናብተን ካሎኦት ከተማታትውን ክሰፍሕ ተጌርሉ ኣብዘሎ መራሕቲ ማሕበረሰብ ጸለምቲ፡ ህዝቢ ኣኣብ ገዛኡ ክጸንሕ ጻዊዒት ኣቕሪቦም ኣለዉ።

"ትማሊ ምሸት ዝተገብረ ንሞት ጆርጅ ፍሎይድ ትሓዝን ወይውን ታሪኻዊ ስምብራትን ዘይምዕሩይነት ኣምሲልካ ዝተገብረ ነገር ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ማሕበረሰብና ላግጺ እዩ" ክብል ሚስተር ዊልዝ ገሊጹ

ብዓርቢ ሚስተር ትራምፕ ነቶም ተቓዉሞ ዝገብሩ ዘለዉ " ገበነኛታት" ክብል ዘጥመቖም ክከውንከሎ ነቲ ኣብ ኣፍደገ ዋይት ሃውስ ዝተገብረ ሰልፊ ድማ " ብኪኢላዊ ኣገባብ ዝተቐነባበረ ናይ ሕሉፋት ጸጋማዊያን" ክብል ገሊጽዎ።

ንሱ ብተወሳኺ ነቲ ጉዳይ ፖለቲካዊ መልክዕ ንምትሓዝ ኣብ ዋሽንግቶንን ሚንያፖሊስን ዝርከቡ ደመኦክራቲያዊያን ሰብመዚ ነቲ ተቓዉሞ ክቆጻጸርዎ ዓቕሚ የብሎምን ክብል ወቒስዎም።

"እዚኦም ዝተወደቡ ጉጅለታት እዮም፡ ምስ ጉዳይ ጆርጅ ፍሎይድ ዘራኽብ ነገር የብሎምን።" ክብል ሚስተር ትራምፕ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

 


Share
Published 31 May 2020 10:54am


Share this with family and friends