ንሓደ ጸሊም ሰብ ኣጋፊዖም ናብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ኣእተዉዎ ድሕሪ ምማቱ ኣርባዕተ ኣባላት ፖሊስ ኣመሪካ ካብ ስርሖም ተባሪሮም።
እቲ ብሓለፍቲ መገዲ ዝተዘርግሐ ናይ ቪድዮ ምስሊ፡ ጸዓዱ ኣባላት ፖሊስ ን ኣፍሪቃዊ ኣመሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ነቲ ክሳዱ ብእግሩ ረጊጽዎ ዝነበረ ፖሊስ 'ምትንፋስ ስኢነ' እናበለ ይስማዕ ኔሩ።
ናይ ኒኒያፖሊስ ከንቲባ ጃኮብ ፍረይ ብትዊተር ኣብዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ "እዚ እቲ ግቡእ ጻዊዒት" ክብል ነቲ ምብራር ናይቶም ኣባላት ፖሊስ ገሊጽዎ።
ብሰኑይ ምሸት ፖሊስ ብዘውረደሉ ግፍዒ ሞት ሚስተር ፍሎይድ ምስሰዓበ እቲ ጉዳይ FBI ን ብኣኽበርቲ ሕጊን መርመራ ይግበረሉ ኣሎ።
ሚስተር ፍረይ ኣብ ናይ ፌስ ቡክ ገጹ ንጸለምቲ ማሕበረሰብ ይቕረታ ሓቲቱ።
"ኣብ ኣመሪካ ጸሊም ስለዝኾንካ ናይ ሞት ፍርዲ ክትፍረድ የብልካን። ሓደ ጻዕዳ ፖሊስ ንሓደ ጸሊም ክሳዱ ብእግሩ ክጸቕጦ ንሓሙሽተ ደቓይቕ ተዓዚብና፡ ሓሙሽተ ደቒቕ! ሓደ ሰብ ሃገዝ ክሓትት እንተሰሚዕካ ክትሕግዝ ጥራይ እዩ ዘለካ። እዚ ፖሊስ ነቲ መሰረታዊ ሰብ ኣዊ ስምዒትዩ ረሲዕዎ።" ክብል ሚስተር ፍረይ ኣብ ፌስ ቡክ ጽሒፉ።
'ከተንፍስ ኣይከኣልኩን'
እቲ ቪድዮ ከምዘመልክቶ፡ ነቲ ሚስተር ፍሎይድ ዝገበሮ ጻዊዒት ነጺጉ ምጭፍላቑ ቀጺሉ።
"በጃኹም፡ በጃኹም፡ በጃኹም፡ ከተንፍስ ኣይከኣልኩን፡ በጃኹም " ሚስተር ፍሎይድ ነቲ ፖሊስ ክልምኖ ይስማዕ።
ድሕሪ ብዙሕ ደቓይቕ፡ እቲ ካልእ ፖሊስ "ተረጋጋእ/ ረላክስ" ክብሎ ይስማዕ።
ደቓይቕ ምስሓለፉ እቲ ግዳይ ኣብትሕቲ እግሪ እቲ ጻዕዳ ፖሊስ ጸጥ ኢሉ።
ብድሕርዚ እቲ ፖሊስ ኣብ ክሳድ እቲ ጸሊም ተምበርኪኹ ንደቓይቕ ምጽቃጡ ቀጺልዎ።
እቲ ግዳይ ኣብ ናይ ሞትን ህይወትን ጥርዓን ኣብዝነበረሉ ሓለፍቲ መገዲ ዓቕሎም ከጽብቡ ተራእዮም።
ሓደ ካብ ተዓዘብቲ' ከተንፍስ ክገድፍዎ ሓቲቱ፡ ካልእ ድማ ልቡ ትሃርም እንተሊያ ክፍትሹ ሓቲቱ።
ሚስተር ፍሎይድ ኣብ ናይ ስድራ ሚስተር ፍሎይድ ስራሕ ዝሰርሕ ከምዝነበረ ብተጣበቕቲ መሰላትን ብጠበቓ በን ክራምፕ ተገሊጹ ኣሎ።
"እዚ ዓመጽ፡ መጠኑ ዝሓለፎን ኢሰብኣዊነት ዝመልኦ ሓይሊ፡ ነቲ ምስ ባእሲ ዘይተሓሓዝ ብፖሊስ ክሕተት ናይ ዝኽእል ህይወት ሰብ ኣጥዲኡ ኣሎ።" ክብል ሚስተር ክሮምፕ ገሊጹ።
እቲ ዝተዘርግሐ ቪድዮ ብኡ ንብኡ እዩ ምስቲ ኣብ 2014 "ከተንፈስ ኣይከኣልኩ" እናበለ ኣብ ኒውዮርክ ሽጋራ እናሸጠ ብፖሊስ ዝተቐትለ ሰብ ክነጻጸር ተራእዩ።
ካብቲ እዋን ኣትሒዙ እዚ "ከተንፈስ ኣይከኣልኩን"፡"I can't breathe" ዝብል ኣበሃህላ ንምንቅስቓስ 'ብላክ ላይቭስ ማተር' ከም ጭርሖ ጌሮም ወሲዶሞ።
ደፓርትመንት ፖሊስ ከቢድ ወቐሳ ይወርዶ
እዚ ጉዳይ መቐጸልታ ናይቲ ብቐጻሊ ናይ ሚኒያፖሊስ ደፓርትመንት ፖሊስ ክውቀሶ ዝጸንሐ ምኹኑ ተገሊጹ እዩ።
ጓል 40 ሚስ ዳሞንድ ኣብ ሓንቲ ለይቲ ናይ ሓምለ 2017 ኣብ ድሕሪ ገዝኣ ኣውያት ትሰምዕ እሞ 911 ትድውል።
ናብታ ናብ ኣ ትቐርብ ዝነበረት ናይ ፖሊስ መኪና ክትቀርብ ምስጀመረት ፖሊስ ኑር ብ ሚስ ዳሞንድ ተኩሱ ቀቲልዋ።
እቲ ካልእ ኣብ ጥቓ ሚኒያፖሊስ ትርከብ ሴንት ፖል ከተማ ኣብ 2015 ሓደ ጻዕዳ ፖሊስ ንወዲ 24 ዓመት ጃማር ክላርክ ተኲሱ ቀቲልዎ እዩ።
እቲ ፖሊስ ግና ኣይተኸሰን።
ኣብ 2017 ሓደ ኣባል ፖሊስ ኣብ ሓደ ናይ ትራፊክ ደው መቨሊ ን ፊላንዶ ካስትል ዝተባህለ ደው ኣቢሉ ናይ ጓል ዓርኩ ላይቭ ቪድዮ እናቐድሓቶ ቀቲልዎ።