ዉሕሃ ኣብ ኢትዮጵያ ኲናት ደው ክብል ይጽውዕ፡ ንመንግስቲ ዓልዮም መሰጋገሪ ክምስርቱ 9 ተቓወምቲ ኪዳን መስሪቶም።

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ተኹሲ ደው ክብል ዝጽውዕ ዘሎ ፡ ተቓወምቲ ሓይሊታት ኣብታ ሃገር ፖለቲካዊ ምስግጋር ንኽግበር ኪዳን ኣብ ዝገብርሉ ዘሎ እዋን እዩ ።

Ethiopian government soldiers ride in the back of a truck on a road near Agula, northern Ethiopia.

Ethiopian government soldiers ride in the back of a truck on a road near Agula, northern Ethiopia. Source: AP

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ኣብ ሰሜን እታ ግጭት ዝተጎሃሃረላ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ኲናት "ኣዝዩ ዘተሓሳስብ" ብምባል ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ተኹሲ ደው ክብል ጸዊዑ ኣሎ ።

እቲ ኣካል ዓርቢ ብሓባር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "ኣባላት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ነቲ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ዘሎ ምስፍሕፋሕን ምሕያልን ወተሃደራዊ ግጭት ኣዝዩ ከምዘተሓሳሰቦም ገሊጾም"።

ቀጺሉ ድማ "ነቲ ተጻብኦታት ደው ከብልዎን ነባሪ ምቁራጽ ተዅሲ ክግበርን ከምኡውን ነቲ ቅልውላው ንምፍታሕ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያውያን ዝግበር ሃገራዊ ዝርርብ ዝጅመረሉ ኩነታት ክፍጠር ጸዊዖም" ይብል ።

15 ኣባል ሃገራት ዘለዎ እቲ ቤት ምኽሪ ነዚ መግለጺ ዘውጽኣ ፡ እቶም ኣንጻር መንግስቲ ዝቃለሱ ዘለዉ ሓይሊታት ትግራይ ንርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንምሓዝ ኣብዝምርሽሉ ዘለዉ እዋን እዩ ።

እቲ ቤት ምኽሪ ብዛዕባ ሰብኣዊ ኵነታትን ሃገራዊ ርግኣትን ከም ዘተሓሳሰቦ ድሕሪ ምግላጽ "ንሉኣላውነት: ፖለቲካዊ ናጽነት: ግዝኣታዊ ሓድነትን ኢትዮጵያ ጽኑዕ መብጽዓ ከም ዘለዎም ኣረጋጊጹ" እዩ ።

እቲ ዓርቢ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ህዝባዊ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፡ ንሰኑይ እዩ ተናዊሑ ።

እዚ ሓድሽ ኪዳን ናይ ኢትዮጵያ ተቓወምቲ ሰልፊታት ብዓርቢ ኣብዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ፡ ንቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ብሓይሊ ወይ ብድርድር ኣውሪድካ ናይ እዋን መሰጋገሪ መንግስቲ ንምምስራት ዝብል እዩ ።
እቲ መንግስቲ ፡ እቲ ኪዳን ዘይከውን ነገር ጌሩ ብምውሳድ ፡ ንገሊኦም ቀቢላዊ ግጭት ንምውላዕ'ዩ ኢሉ ይኸሶም ።

ሰራዊት ፈደራልን ሰራዊት ሓይሊታት ትግራይ ይዋግኡ ኣብ ዝለዉሉሉ እዋን ፡ ምቁራጽ ተዅሲ ክግበር ካብ ኣፍሪቃን ምዕራባውያንን መራሕቲ ኣፍሪቃ ጻውዒት ይቐርብ ኣሎ።

እቶም ኣንጻር መንግስቲ ዝዋግኡ ዘለዉ ን ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክሕዙ ከምዝኽእሉ ኣብዘፍለጥሉ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብ ዓርቢ ንናይ ቀደም ኣባላት ሰራዊት ተመሊሶም ኣብ ንጡፍ ኣገልግሎት ክዋፈሩ ጻዊዒት ከምዘቕረበ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ገሊጸን ።

እቲ ንኣሽሓት ሰባት ዝቐተለን ንልዕሊ ክልተ ሚልዮን ካብ ኣባይቶም ዘፈናቐለን ውግእ ፡ ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት እናገደደ እዩ መጺኡ ።
Ethiopia's Prime Minister Abiy Ahmed (AAP)
Ethiopia's Prime Minister Abiy Ahmed. Source: AAP
ኣብ ዋሽንግተን ኣብ እተገብረ ኣኼባ ናይ ኢትዮጵያ ፈደራሊስትን ኮንፈደራሊስትን ሓይሊታት ኪዳን ብምፍጣር ዝተወሃሃደ ወተሃደራዊን ፖለቲካዊን እዚ ከምዝፈጥሩ ገሊጾም ኣለዉ።

ካብ ናይ ሶማልተቓዋሚ ሓይሊ ዝኾነ ማሓሙድ ኡጋታ ሙሁመድ "እቲ ዝቕጽል ስጉምቲ ነቲ ዝጸንሐ መንግስቲ ብሓይሊ ወይ ብሰላም መገዲ ምፍራስን ድሕሪኡ መሰጋገሪ መንግስቲ ምምስራትን እዩ" በለ ። እቲ ናቲ ጉጅለ ሓደ ካብ ትሽዓተ ኣባላት ናይቲ ኪዳን ኣቑሙ ዘሎ ምትእኽኻብ ኮይኑ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝገብር ዘሎ እዩ።

እቲ ኪዳን ነቲ ኣብ መንጎ ሰራዊት ህወሓት ን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን (OLA) ዝነበረ ስምምዕ ከምዘዕበዮ ፡ እቶም ጕጅለታት ገሊጾም ።

"ነዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሕማቕ ኩነታት ፡ ብሓደ ኢድ መንግስቲ ኣቢይ እዩ ተፈጢሩ ዘሎ" ይብል ብርሃነ ገብረክርስቶስ ፡ መራሒ ህወሓትን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝነበረን ።

"ነቲ መራሒ ዝኸውን ግዜ የለን" ኢሉ።
እቲ መንግስቲ ብወገኑ ነታ ሃገር ናይ ምርግጋእ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ድሕሪ ምግላጹ ፡ ኣህጉራውያን መሻርኽቱ ኣብ ጐድኒ ዲሞክራሲ ኢትዮጵያ ደው ክብሉ ተማሕጺኑ ።

እቲ መንግስታዊ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ሓበሬታ ኣብ መግለጺኡ "ኣብ መንጎ እቲ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ እተመርጸ መንግስትን ጕጅለ ኣሸበርቲ ከምኡውን መንግስቲ ዘይብሎም ተዋሳእትን ዓመጽን ጥፍኣትን ዘስዕቡ ማዕርነት የልቦን" በለ ።

ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ ነቲ ኪዳን "ብህዝቢ ተቐባልነት ዘይብሉ" ኢሉ ድሕሪ ምጽዋዑ: ገለ ካብቶም ጕጅለታት "ዓሌታዊ ምጽናት" ዝፈጸሙ ምዃኖም ገሊጹ ። ንሓደ ካብቶም ጕጅለ ጥራይ ብምጥቃስ ድማ ፡ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ክልል ኦሮሞ ፡ ህዝቢ ዘጽንት ዘሎ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ምዃኑ ኸሲሱ።

'ኲናት ደው ይበል'

ኣብ ሕዳር 2020 ሓይልታት ንህወሓት እሙናት ዝኾኑ ገለ ወተሃደራት ኣብ ትግራይ ዝነበረ ናይ ፈደራል ወተሃደራዊ መደበራት ወቒዖም ኢሉ መንግስቲ ብምኽሳስ ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ሰሜናዊ ዞባ ተወሳኺ ሰራዊት ሰደደ ።

ውድብ ህወሓት ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብዋጋ ክልላዊ መንግስታት ማእከላይ ስልጣን የጠናኽር ኣሎ ኢሉ ይኸሶ ። ኣቢይ ነዚ ኣበሃህል ኣይቅበሎን።

ህወሓት ን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ንሮይተርስ ከም ዝሓበርዎ ፡ ካብ ርእሰ ከተማ ኣምሓራ 325 ኪ.ሜ. ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ኬሚሴ ኣትዮም ኣለዉ ። ህወሓት ብሰሉስ ሓይልታቱ ኣብ ከተማ ሚለ ከም ዝዓጸዉ ፡ እዚ ድማ ነቲ ምስ ጐረቤት ሃገር ጅቡቲ ዘራኽብ ጽርግያ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንምቍራጽ ከም ዘኽእሎም ገሊጹ ።

እቲ መንግስቲ ንህወሓት ነቲ ረኺበዮ ዝብሎ ዘሎ ከምዘጋንንዩ ዝገልጽ።

ብ ዓርቢ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ለገሰ ቱሉ ካብ ሚለ 80 ኪ.ሜ. ርሒቑ ውግእ ይካየድ ከም ዝነበረ ገሊጹ ።

ብዘይካዚ ፡ ካብ ሸዋ ሮቢት ብሸነኽ ሰሜን 100 ኪ.ሜ. ርሒቓ ኣብ እትርከብ ኣብ ክልል ኣምሓራ እትርከብ ፡ ኣብ A2 ቀ ምስ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘራኽብ ጽርግያ ፡ ውግእ ከም ዘሎ ሓበረ ። እዚ ውግእ እዚ ፡ ካብ ኮምቡልቻ ብሸነኽ ደቡብ 57 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ከም ዝዋጋእ ዝገብር እዩ ነይሩ ፣ ሓንቲ ካብተን ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት እተታሕዛ ክልተ ከተማታት ድማ ፡ ብ ሓይሊታት ትግራይ ከም እተማረኸት ሓበሮም።

እቲ መንግስቲ ብ ዓርቢ ኣብ ጥቓ ደሴ ኣብ ኣምሓራ ውግእ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ሓደ ናይ ህውሓት ኣዛዚ ኮሎኔል ጉሽ ገብረሂወት ከም እተማረኸ ገሊጹ ነይሩ ። ውድብ ህወሓት ብዛዕባ እዚ ዝሃቦ ቃል የለን ።

Ethiopian military personnel commemorate soldiers killed by forces loyal to the Tigray People's Liberation Front at the start of the conflict one year ago
Ethiopian military personnel commemorate soldiers killed by forces loyal to the Tigray People's Liberation Front at the start of the conflict one year ago Source: AP
ኣብ ወሰናስን ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ዕዳጋታት ፡ ነጋዶ ከም ልማዶም ንግዶም የካይዱ እኳ እንተ ነበሩ ፡ ክዕድጉ ዝመጹ ሰባት ግና ክውሕዱ ተራእዮም ።

ኣሕምልቲ ዝሸይጥ ወዲ 32 ዓመት ኣብዲሳ ዊሊ ዋጋታት እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ገለጸ ።

"ክልቲኦም ወገናት ነቲ ውግእ ደው ከብልዎ ኣለዎም ፣ ብዘይካ ሞትን ቝጠባዊ ውድቀትን ፡ ዋላ ሓደ ሰብ ብውግእ ኣይረብሕን እዩ" በለ ። "ብምይይጥ ገይሮም ነቲ ጸገም ክፈትሕዎ ኣለዎም ።"

ብመንግስቲ ዝምእከል ፋና ቲቪ ከምዝሓበሮ ፡ ኣብ ክልል ኦሮሞ ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከባ ሸውዓተ ከተማታትን ሓውሲ ከተማታትን ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ፡ ዓርቢ ናብ ጎደናታት ብምውጻእ ፡ ንመንግስቲ ደገፎም ኣስሚዖም ።


ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት መጥቃዕቲ ዝድግፉ ጎስጓሳት ምብዝሑ ኣሻቓሊ ኮይኑ ኣሎ ኢሉ ። ትዊተር ከምዝሓበሮ ፡ ነቲ ናቱ ፖሊሲታት ዝጻረር ጽሑፋት ዝጥቅዑ ንመንግስቲ ዝድግፉ ዝበሎም ተጠቀምቲ ካብ ገጽ ትዊተር ከምዝ ኣለዮም ገሊጹ።

ብዛዕባ እዚ ካብ ሰበ-ስልጣን ኣዲስ ኣበባ ብቐጥታ እተዋህበ ርእይቶ ኣይነበረን ።


Share
Published 6 November 2021 8:25pm
Source: AFP, Reuters, SBS


Share this with family and friends