ናይ ኢትዮጵያ መራኸቢ ብዙሃን መንግስቲ ንከተማ ጭፍራ ካብ ናይ ትግራይ ሓይልታት ከምዝመንዝዓ ገሊጸን ፤ ይኹን እምበር እቲ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ሓደ ናይ ሱዳን ሰራዊትመጥቃዕቲ ምፍፃሙ ይኽሕድ ኣሎ ።
ኢትዮጵያ ኣብ ጥቓ ዶብ እተን ሃገራት ኣብ ዝርከብ ሰራዊት ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ሽዱሽተ ወተሃደራት ከምዝተቐትሉ ወተሃደራዊ ሓይልታት ሱዳን ይገልጹ ።
ኢትዮጵያ ነቲ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ነጺጋቶ ።
ሰራዊት ሱዳን ኣብ ፈይስቡክ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "ጉጅለታት ሰራዊት ኢትዮጵያን ሚሊሻታትን ኣብ ኣል-ፋሻጋ ኣል-ሱግራ ንሓይሊታቱ ኣጥቂዖም: በዚ ምኽንያት ገለ ካብ ሰራዊትና ተቐቲሎም ። ሓይልታትና ነቲ መጥቃዕቲ ብጅግንነት ከም ዝመለስዎ: ኣብ ልዕሊ'ቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ዕጡቓት ድማ ከቢድ ህልቂትን ዕንወትን ከም ዘውረዱ "ገሊጹ ።
እቲ መግለጺ ሰራዊት ብዛዕባ እቶም ዝሞቱ ሰባት ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን ። ወተሃደራዊ ምንጭታት ንሮይተርስ ከምዝገለጽዎ ሽዱሽተ ወተሃደራት ሱዳን ተቐቲሎም ።
ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዝኾነ ይኹን መጥቃዕቲ ኣይፈጸመን ኢሉ።
"ሰራዊትና ንሱዳን ኣጥቂዑ ዝብል ብ መራኸቢ ብዙሃን ዝጋዋሕ ዘሎ መሰረት ዘይብሉ ሓበሬታ እዩ ። ናይ ኢትዮጵያ ናይ ምክልኻል ሓይሊ ንዝኾነት ሉኣላዊት ሃገር ናይ ምጥቃዕ ኣጀንዳ የብሉን" ብምባል ብናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሮድካስቲንግ ኮርፖረሽን ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ገሊጹ ።
እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ ፣ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ቅድሚ ክልተ መዓልታት ኣብ ግንባር ዉግእ ካብ ዝተራእየሉ እዋን ጀሚሩ ፣ ሰራዊቱ ነታ ኣብ ክልል ዓፋር እትርከብ ከተማ ጭፍራ ካብ ሓይልታት ትግራይ ንፈለማ እዋን ከምዝመንዝዓ መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን ኢትዮጵያ ይገልፃ ።

Portrait of Afar tribe women with their children on 21 January, 2017 in Chifra, Ethiopia. Source: Corbis News
ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ንቺፍራ ፡ ኣብ ዶብ ሰሜናዊ ክፋል ዓፋርን ኣምሓራን ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ መንጎ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ኲናት ምስ በርትዐ'ዩ ተቖጻጺርዋ ጸኒሑ።
ኮርፖረሽን ብሮድካስቲንግ ኢትዮጵያ ኣብ ጸብጻቡ ፡ "ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያን ፍሉያት ሓይልታት ዓፋርን ንጭፍራ ተቘጻጺሮምዎ ኣለዉ" ኢሉ ።
ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን ።
ሰንበት ፡ እስራኤል ፡ ኣብታ ብውግእ እትሕመስ ዘላ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ሓያሎ ኣሽሓት ኣይሁድ ናብ ዓዶም ክግዕዙ ከም ዝፈቐደት ኣፍሊጣ ኣላ።
ኣስታት 140,000 ዝዀኑ ኢትዮጵያውያን ኣይሁድ ኣብ እስራኤል ከምዝነብሩን 6000 ካልኦት ኣብ ኢትዮጵያ ተሪፎም ከምዘለዉ እዩ ዝግመት።