ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ምስ መሪሕነቱ ናብ ግምባር ከይዶም ክዋግኡ ወሲኖም።

Homeland News

Source: Ethiopia News

"ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ዓቕምና ዘፍቀዶ ኩሉ ሰሪሕና። ከም ሰብ አልሚዕና ፤ ከም ሰብ'ውን ኣጥፊእና ኢና። ካብ ብሕጂ ኣነ ንሰራዊት ምክልኻል ኣብ ቅድሚት ተሰሊፈ ክመርሕ ካብ ጽባሕ ጀሚሩ ናብቲ ቃልሲ ክወርድ'የ።" ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ዝርከቦም ላዕለዎት ሰብመዚ ኢትዮጵያ ኣብ ግንባር ተሰሊፎም ምስ ሓይልታት ትግራይ ክዋግኡ ሰልፊ ብልጽግና ወሲኑ። ፈጻሚት ስራሕ ሰልፊ ብልጽግና ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ጉዳይ ዘድሃበ ኣኼባ ከም ዘካየደ ገሊጹ። ኣብቲ ኣኼባ እቲ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ኩናት ካብቲ ዘውረዶ ዕንወት ንላዕሊ ከይውስኽ ብሓጺሩ ዝውደአሉ መገዲ ምይይጥ ከም ዝተገብረሉ ሓቢሩ። እቲ ኩናት ምስ ውሽጣውን ግዳማውን ሓይልታት ዝካየድ ዘሎ እዩ ዝበለ ሰልፊ ብልጽግና፣ ኣቦመንበር እቲ ሰልፊን ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያን ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ዝርከቦም ላዕለዎት ሰብመዚ ኢትዮጵያ ኣብ ግንባር ተሰሊፎም ክዋግኡ ከም ዝተወሰነ ኣብሪሁ። እቲ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ ብወገኑ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት መዝነት ካብ ዝዓትር ንነጀው "ብፍቕሪ ንደመር፣ ብይቕሬታ ንሳገር" ዝብል ሓዱሽ ምዕራፍ ከፊትና ቁጠባ ክምሓየሽ፣ ፍትሒ ክሰፍን ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ክእረም፣ ርክባት ወጻኢና ንጎረባብቲ ዘቕድም ጌርና ብምባል እንተዀነ ንህልውና ኢትዮጵያ ናብ ናይ መወዳእታ ውግእ ከም ዝተጸምዱ ገሊጹ። "ከም ሰብ አልሚዕና ፤ ከም ሰብ'ውን ኣጥፊእና ኢና።" ዝበለ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣስዒቡ ድማ "ኣነ ካብ ብሕጂ ንሰራዊት ምክልኻል ኣብ ቅድሚት ተሰሊፈ ክመርሕ ካብ ጽባሕ ጀሚሩ ናብቲ ቃልሲ ክወርድ'የ። ታሪኽ ካብ ዘድንቖም ኢትዮጵያውያን ሓደ ንሙዃን እትደልዩ ኩሉኹም ንሃገርኩም ክትብሉ ሕጂ ተበገሱ፣ ኣብ ግንባር ንራኸብ" ኢሉ።


 


 

 
 

 

 
Enter

 




 

Share

Published


Share this with family and friends