ኣብ ኢትዮጵያ ኲናት እናበርትዐ ኣብዝኸደሉ ዘሎ ኣውስትራሊያዊያን 'ብህጹጽ ካብታ ሃገር ክወጹ' ጻዊዒት ቀሪብሎም።

ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ከምዝገለጾ "ፖሊስ ንኣውስትራሊያዊያን ዝርከብዎም ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ የእቱ " ከምዘሎ ፈሊጡ ከምዘሎ ብምግላጽ ኩሎም ወገናት ካብ ግጭት ደው ክብሉ ጸዊኦኡ።

Clouds of black smoke from fires in the aftermath of an airstrike in Mekele, the capital of the Tigray region of northern Ethiopia on 20 October, 2021.

Clouds of black smoke from fires in the aftermath of an airstrike in Mekele, the capital of the Tigray region of northern Ethiopia on 20 October, 2021. Source: UGC

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ጸጥታ እናሓደረ እናኸፍ አ ኣብዝኸደሉ ዘሎ ኣውስትራሊያዊያን ብቕልጡፍ ንኽወጹ ምሕጽንታቀሪብሎም ኣሎ።

ኣብታ ኣብ ኣፍሪቃ ካልአይቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ዝርአ ዘሎ ቀጻሊ ዘይምርግጋእን ዕጥቃዊ ግጭታትን ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ከም እተቐትሉን ኣማእታት ኣሽሓት ሰባት ናብ ጥሜት ከም ዝኣተዉን ጸብጻባት የረድኡ ።

ኣውስትራሊያ ሓንቲ ካብተን ስክፍታኣ ዝገለጸትን ዜጋታተን ካብ ሃገር ክወጹ ዝሓተተትን ሃገር ኮይና ኣላ።
ወሃብ ቃል ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢን ንግድን "ፖሊስ ኣውስትራሊያዊያን ዝርከብዎም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዘእተውዎምን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ኣፍልጦ ኣለና" ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ናይ ውልቀሰባት መንበሪ ቦታታትን ተፍትሽ ክግበርውን ይኽእል እዩ "ይብል ።

እቲ ሎሚ ሓሙስ ዝተዋህበ መግለጺ "መንግስቲ ኣውስትራሊያ በቲ ኣብ ኢትዮጵያ ብናህሪ እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታት ኣዚዩ ይሻቐል ፡ ኩሎም ወገናት ድማ እቲ ግጭት ብቕልጡፍ ጠጠው ክብልን ናብ ሰላማዊ ፍታሕ ክበጽሑ ይጽውዕ" ይብል።

"ኣውስትራሊያዊያን ናይ ንግዲ በረራታት መማረጺታት እናሃለወ ቀልጢፎም ካብ ኢትዮጵያ ክወጹ ንመክር" ።

እቲ ወሃቢ ቃል ብተወሳኺ በረራታት ኣብ ዝኾነ ግዜን ብዘይ ምልክታ ክቕየር ወይ ጠጠው ክብል ይኽእል እዩ ኢሉ ።

"ኣውስትራሊያውያን ካብን ናብን ናይ ህጹጽ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ኣብ ምጽባይ ኽምርኮሱ የብሎምን" ኢሎም ።

"DFAT ኣብ ኢትዮጵያ ዝተመዝገቡ ኣውስትራሊያዊያን ወይ ናይ ስድራቤት ተወከልቲ ሓገዛት ንኽረኽቡ ይጽውዕ ኣሎ።"

 flights."

ኣብዚ እዋን "ዚ ብሰንኪ" ዚ ዝቕጽል ዘሎ ዘይምርግጋእ ፡ ኣብ ሰሜን እታ ሃገር ዝርአ ዘሎ ዕጥቃዊ ግጭታትን ናብ ሓድሽ ቦታታት ብዘይ መጠንቀቕታ ይዝርጋሕ ስለዘሎ ተወሳኺ መጠንቀቕታ 'ኣይትገሹ "(ደረጃ 4) ክብ ኢሉ ኣሎ ።

 

 : Leave immediately while commercial options are available. Do not delay. Emergency evacuation flights may be impossible. Consular assistance is extremely limited. For urgent consular assistance or to register call +61 2 6261 3305. See
International alarm has mounted over the escalating war in Ethiopia as Tigrayan rebels claimed to be edging closer to the capital Addis Ababa.
Ethiopia's Prime Minister Abiy Ahmed. Source: AP

ጻዊዒት ተዂሲ ደው ምባል

ናይ ወጻኢ ልኡኻት ብቐጻሊ ተዂሲ ደው ክብል እንተጸዉዑ ብዙሕ ምልክታት ለውጢ ኣይተራእየን ።

ብረቡዕ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ፡ እቲ ውግእ ብቕልጡፍ ደው ክብል ጻውዒት ኣቕረበ ፣ እዚ ጻዊዒት ንሱ ኮሎምብያ ኣብ ዝበጽሓትሉ እዋን ፡ ሓምሻይ ዓመት ናይቲ ኣብ መንጎ መንግስትን ኣብ መንጎ ኣኽራሪ ሰራዊት ኮሎምብያ (ፋርክ) ዝተገብረ ሰላም ንምዝካር ኣብ ዝሃቦ ርእይቶዩ ።

"እቲ ኣብ ኮሎምብያ እተኻየደ መስርሕ ሰላም ፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተወሊዑ ዘሎ ግጭት ዝሳተፉ ዘለዉ ጉጅለታት ፡ ነታ ሃገር ንምድሓን ብዘይ ቅድመ ኵነትን ብኡንብኡ ተዅሲ ደው ንኽብል ፡ ሎሚ ህጹጽ ጻውዒተይ ከቕርብ ደሪኹኒ እዩ" ድማ በለ ።

 

With additional reporting by AFP. 

ህጹጽ ናይ ቆንስላዊ ሓገዝ ዘድልዮም ዜጋታት ኣውስትራሊያ ፤ ካብቲ ቦታ ንኽወጹ ሓገዝ ዘካተተ ናይ ቆንስላዊ ህጹጽ እዋን ማእከል በዚ ዝስዕብ ክድውሉ ይኽእሉዮም። +61 2 6261 3305.


Share
Published 25 November 2021 8:38pm
Updated 12 August 2022 3:01pm
By Lucy Murray, Emma Brancatisano
Source: SBS News


Share this with family and friends