ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ኲናት ዓለም-ለኻዊ ኣሻቓሊ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ ፡ ሓይሊታት ትግራይ ናብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ገጾም የምርሑ ኣለው ፡ በዚ ምኽንያት ናይ ወጻኢ ዜጋታት ብህጹጽ ክወጹ ተነጊርዎም ኣሎ።
ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ልኡኽ ጀፍሪ ፈልትማን ነቲ ንዓመት ዝቐጸለ ዘስካሕክሕ ግጭት ንምውጋድ ብ ዲፕሎማሲያዊ መገዲ ንምፍታሕ ብዛዕባ ዝግበር ዘሎ ጻዕርታት ተዛሪቡ ፡ እንተኾነ ግን ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት "ዘሰክፍ ምዕባለታት" ብምዃኑ ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ ኣጠንቂቑ ።
ፈረንሳ ዜጋታታ ካብ ኢትዮጵያ ክወጹ ዝነገረት ዝደሓረት ሃገር ኮይና ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብመሰረት ውሽጣዊ ሰነድ ፡ ኣባላት ስድራ ኣህጉራዊ ሰራሕተኛታት ብቕልጡፍ ክወጹ ኣዚዙ ኣሎ ።
ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህ.ዋ.ሓ.ት.) ኣብዚ ሰሙን "ዚ ካብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር 220 ኪሎሜተር ጥራይ ርሒቓ እትርከብ ከተማ ተቖጻጺሩ ከምዘሎ ሓበሬታ ወጺኡ ኣሎ። ብሰንኪ እቲ ዝኸይድ ዘሎ ኲናት ብሰንኪ ናይ መራኸቢ ጸገም ሓበሬታታት ንምርግጋጽ ከቢድ ኮይኑ ኣሎ።
ብሰኑይ ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ፡ ንወተሃደራቱ ባዕሉ ክመርሕ ናብ ዓውደ ውግእ ከም ዘምርሕ ተመባጽዐ ፣ እቲ መንግስቲ ነዚ ኲናት "ናይ ህላወ ውግእ" ኢሉ ዝገለጾ እዩ።

Ethiopia's Prime Minister Abiy Ahmed. Source: AP
"ሕጂ ንኢትዮጵያ ንምድሓን ኣብ ናይ መወዳእታ ደረጃ ኢና ዘለና" ዝበለ ኣቢይ ፡ ምስ ጎረቤት ሃገር ኤርትራ ሰላም ብምስፋን ናይ ሰላም ሽልማት ኖቤል ካብ ዝሽለም ክልተ ዓመት ጥራይ እዩ ጌሩ ።
እዚ ሓድሽ ምዕባለታት እዚ ፡ ዋላ እኳ ብሕብረት ኣፍሪቃ እናተመርሐ ከቢድ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ እንተ ተገብረ ፡ እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት ብሰላም ንኺዛዘም ዘሎ ተስፋ እናሃሰሰ ይኸይድ ኣሎ።
'ወተሃደራዊ ቅልስ እናጓሃረ ይኸይድ'
ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ኲናት ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ: ው.ሕ.ሃ. ከምዝበሎ ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ብጥሜት ከይሞቱ ተሰጊኡ ከምኡውን ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ከም እተመዛበሉ ዘርኢ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ ኣሎ ።
ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሚስተር ፈልትማን ካብ ተልእኾኡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ተመልሰ ኣብ ዋሽንግተን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፡ "ዉሑድ ምዕባለ እንተሎኳ እቲ ብክልቲኡ ወገን ዘሎ ወተሃደራዊ ምትፍናን ኣብ ሓደጋ ወዲቑ እዩ" ኢሉ ።
ሚስተር ፈልትማን ፡ መንግስትን ሓይልታት ትግራይን "ካብ ወተሃደራዊ ግጭት ናብ ዘተ ከምዘምርሑ" ። ርኡይ ምምሕያሽ ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላጽ ፡ እቲ ንሓደ ዓመት ዝቐጸለ ውግእ ናብታ ርእሰ ከተማ እናቐረበ ኣብዝመጸሉ ዘሎ እቲ ስግ ኣት ከቢድ ጌርዎ ኣሎ፡
ኣስዕብ ኣቢሉ ግና ፡ "እዚ ኣብ ባይታ ዘሎ ዘሰምብድ ምዕባለታት ፡ ተስፋ ዘቝርጽ ዕቤት የርእየና ኣሎ" በለ ።
እቲ ውግእ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ቀቲሉ: ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ድማ ተመዛቢሎም ።
"እቲ ዘሕዝን ግን ነፍሲ ወከፍ ወገን ነቲ ሸቶኡ ብወታደራዊ ሓይሊ ንምውቃዕ ይጽዕር ኣሎ" ይብል ኣቶ ፈልትማን ። ነፍሲ ወከፍ ሸነኽ ድማ ክዕወት ከም ዝኽእል ዝኣምን እዩ ዝመስል "በለ።
ኣስዕብ ኣቢሉ እውን ፡ "ወተሃደራዊ ፍታሕ ከም ዘየለ ንጹር ክኸውን ኣለዎ" በለ ።
ማሕበረ-ሰብ ዓለም ነቲ ተዅሲ ደው ንምባል ዝገብሮ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ኣሐይልዎ ኣሎ: ናይ ኣመሪካ ጸሓፊ ኣንቶኒ ብሊንከን ድማ ኣብዚ ወርሒ እዚ ናይ ኢትዮጵያ ኩነታት ፖለቲካዊ ፍታሕ እንተ ዘይተረኺቡ ኣብ ሓደጋ" ዉሽጣዊ ነትጒ "ኣላ ክብል ኣጠንቂቑ ።
"ኣብ ዲፕሎማሲ ዝባኽን ግዜ የለን" ድማ በለ ።
ጒያ ወጻእተኛታት ካብ ኢትዮጵያ ክወጹ
እቲ መንግስቲ ናይ ህጹጽ እዋን ድንጋገ ካብ ዝኣወጀሉ ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን ፡ ወጻእተኛታት ካብታ ሃገር ክወጹ ዘስግእ ኵነታት ይቕጽል ኣሎ ።
ውሽጣዊ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት "ዝምልከቶም ኣባላት ስድራቤት ሰራሕተኛታት ኣህጉራዊ ትካላት"ካብ 25 ሕዳር ክወጹ ኣለዎም ኢሉ ።
ብዘይካዚ ፡ ፈረንሳ ፡ ኣብ ቀረባ ሰሙናት ኣመሪካን እንግሊዝን ተመሳሳሊ መጠንቀቕታ ድሕሪ ምሃበን ፡ ንዜጋታታ ብኢመይል "ቀልጢፎም" ክወጹ ሓቲታ ።
ሰበ ስልጣን እታ ርእሰ ከተማ ንዲፕሎማሰኛታት ኣብ ዝሃብዎ ሓጺር መግለጺ ግን ሓይልታት ጸጥታ እንተላይ ጉጅለታት መንእሰያት ድሕነት እታ ከተማ ንምርግጋጽ ይሰርሑ ምህላዎም ገሊጾም ።
ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሰላምን ጸጥታን ኣዲስ ኣበባ ከኔያ ያዴታ "እቲ ብምዕራባውያን ዝዝረብ ናይ ፕሮፓጋንዳን ሽበራን መልእኽቲታት ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሰላም ናይታ ከተማ ምሉእ ብምሉእ ዝጻረር እዩ: ስለዚ ዲፕሎማስያዊ ማሕበረሰብ ዋላ ሓንቲ ከሻቕሎን ክፈርሖን የብሉን" በለ።
ሚስተር ኣብይ ወያነ ኣብ ልዕሊ መዓስከራት ሰራዊት ፌደራል ዝፈነዎ መጥቃዕቲ ምላሽ ዝህብ መጥቃዕቲ እዩ ድሕሪ ምባል ፡ ቅልጡፍ ዓወት ከም ዝረኽቡ እኳ እንተ ተመባጽዐ ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ግን ሓይሊታቱ ንመብዛሕትኡ ትግራይ ፡ እንተላይ ነታ ርእሲ ከተማ መቀለ ከም ዝሓደግዋ ገሊጾም ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ወያነ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ከምዝኣተወን ኣቐድም ኣቢሉ ኣብዚ ሰሙን 'ዚ ካብ ኣዲስ ኣበባ ንሰሜናዊ ምብራቕ ብ መንገዲ 220 ኪሎሜተር ጥራይ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ሸዋ ሮቢት ከምዝተቖጻጸረን ይገልጽ ።
እቲ መንግስቲ ብዛዕባ ኩነታት ናይ 'ታ ከተማ ንዝቐረበሉ ሕቶ ምላሽ ኣይሃበን ።
ገለ ካብ ተዋጋእቲ ህወሓት. ናብ ኣዲስ ኣበባ 30 ኪሎሜተር ኣብ ዝቐረቡ ደብረ ሲና ከምዝበጽሑ እውን ይእመን ክብሉ ዲፕሎማሰኛታት ብዛዕባ እቲ ናይ ጸጥታ ኩነታት ሓጺር መግለጺ ሂቦም ።
'ኩሉ ንሃገሩ ይቑም'
ኣብ ፕሪቶርያ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ሲሪል ራማፎሳን ናይ ኬንያ መዘኑ ኡሁሩ ኬንያታን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ቀረባ እዋን ተኹሲ ደው ኣቢሎም ክዛተዩ ጸዊዖም ።
እንተዀነ ግን: ኣብዪ ባዕሉ ሰላማዊ ፍታሕ ብዛዕባ ዝረኽበሉ ነገራት ጥርጣረ ኣሕዲሩ እዩ ።
ሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "ካብ ጽባሕ ጀሚሩ ንሓይልታት ምክልኻል ንምምራሕ ናብ ግንባር ክብገስ እየ" በለ ።
"እቶም ኣብ መንጎ እቶም ብታሪኽ ክኸብሩ ዝደልዩ ዉሉዳት ኢትዮጵያውያን ክዕኑ ዝደልዩ ፡ ሎሚ ን ሃገርኩም ንምድሓን ተንስኡ። ኣብ ግምባር ንራኸብ "በለ ።
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብሰሉስ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ንዝርከባ ክልተ ከተማታት ናይ መግቢ ረዲኤት ንምብጻሕ ሓደ ዓቢስርሒት ከምዝጀመረ ሓቢሩ ።
ናይ ው.ሕ.ሃ. ፕሮግራም መግቢ ዓለም እቲ "ዓብዪ ናይ መግቢ ሓገዝ" ንልዕሊ 450,000 ሰባት ኣብ ዝቕጽል ክልተ ሰሙን ኣብተን ቀንዲ ጽርግያ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብስትራተጂያዊ ቀራና መገዲ ዝርከባ ከተማታት ኮምቦልቻን ደሴን ከም ዘገልግል ሓቢሩ ።