ሸውዓተ ኤርትራውያን ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኣብ'ታ ንሃገር ትመልሶም ነፋሪት ከይተሳፈሩ ተሪፎም

Eritrean national team in a CECAFA tournament in Uganda

Source: Twitter

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (23/12/2019) * ኣብ ግጥማት ዋንጫ ብድሆ ዓበይቲ 2019 ክትሳተፍ ዝጸንሐት ኤርትራ ካልኣይቲ ወጺኣ ብሩር መዳልያ ዓቲራ፡ ሰንበት ናብ ኣስመራ ኣብ ዝተመልሰትሉ ከኣ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩላ፡ እንተኾነ ግን ወረታት ምጥፋእ ሸውዓተ ካብ ኣባላት ተጻወቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ደጊሙ ይነፍስ ኣሎ፡ * ሃገራዊት ጋንታ ደቀንስትዮ ኸኣ ኣብ’ቲ ውራየን ራብዓይቲ ወጺኤን፡ * ንነዊሕ እዋን ዋና ጸሓፊ ሴካፋ ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ኒኮላስ ሙሶንየ ካብ ስልጣኑ ክሰናበት እንከሎ ኢትዮጵያዊ ኢሳይያስ ጂራን ኤርትራዊ ኢሳይያስ ኣብርሃን ዝርከብዎም ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት እቲ ዞባዊ ማሕበር ተመሪጾም፡



Share