ደቀባታዊ ድምጺ ንባይቶ (ዘ ቮይስ) እንታይ'ዩ፧ ንዕኡ ደጊፎምን ተቓዊሞምን ዝጉስጉሱ ኸ እንታይ'ዮም ዝብሉ ዘለዉ፧

Credit: SBS
ድሒሩ ኣብ’ዚ ዓመት፣ ኣውስትራልያውያን ነዚ ዝስዕብ ሕቶ 'እወ' ወይ 'ኣይፋል' ኢሎም መልሲ ክህብሉ ዝሕተትሉ ሓደ ድምጺ ህዝቢ ወይ ረፈረንደም ክሳተፉ’ዮም። ‘ሓደ ድምጺ ደቀባትን ህዝቢ ደሴታት መጻብቦ ቶረስን ብምቛም ንቀዳሞት ህዝብታት ኣውስትራልያ ኣፍልጦ ንምሃብ ኣብ ቅዋም ሓደ ለውጢ ክግበር ትድግፉ ዲኹም፧’ እንተኾነ ግን እቲ ‘ድምጺ’ ወይ ‘ዘ ቮይስ’ ዝበሃል ብልክዕ እንታይ’ዩ፧ እንታይ’ዮም’ከ እቶም ንዕኡ ዝድግፉን ዝቃወሙን ክትዓት፧
Share