ኣብ 1944፡ ፖላንዳዊ ጠበቓ ራፋኤል ለምኪን፡ ብኸፊል ከም ግብረመልሲ ንፍጻመ ሆሎኮስትን ቅድሚኡ ዝሓለፉ ታሪኻውያን ክስተታትን ብምባል 'ጀኖሳይድ' ዝብል ቃል ፈጢሩ።
ንሱ ነቲ ግሪኻዊ ቅድመ-ስም 'ጀኖስ'፡ ትርጉሙ ኸኣ ዘርኢ ወይ ዓሌት ዝኾነን፣ ላቲናዊ ድህረ-ስም 'ሳይድ'፡ ትርጉሙ ኸኣ ምቕታል ዝኾነን፣ ኣላጊቡ'ዩ ነቲ 'ጀኖሳይድ' ዝብል ቃል ፈጢሩ።
ካብ ምጉስጓስ ለምኪን ተብጊሱ'ዩ እምበኣር `ዋዕላ ምጽናት ዓሌት` (`Genocide Convention`) ኣብ 1984 ዝጸደቐ።
ልዕሊ 150 ሃገራት ኣብ'ዚ ሕጂ እዋን ከተምቲ/ተማእዘዝቲ ናይ'ዚ ዋዕላ'የን፡ እዚ ማለት ከኣ እዘን ሃገራት ገበን ምጽናት ዓሌት ንምክልኻልን ንምቕጻዕን ሓላፍነት ኣለወን ማለት'ዩ።
እንተኾነ ግን ኣማኢት ዝኾኑ ፍጻመታትን ኩነታትን ኣብ ትሕቲ'ዚ ትርጉም ምጽናት ዓሌት ዝኣትዉ ክንሶም፡ በጻብዕ ዝቑጸሩ ጥራይ'ዮም ሕጋዊ ተፈላጥነት ዝረኸቡ።
እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ፖለቲካውን ሕጋውን ረቛሒታት እዩ።
ሕጂ`ውን እንተኾነ፡ ንዘስካሕክሑ ዕንወታት ንምግላጽ 'ጀኖሳይድ' ዝብል ቃል ኣብ ጠቕሚ ክውዕል ብተደጋጋሚ ንሰምዖ'ዩ - ብመንጽር ወይ ትርጉም ዓለምለኻዊ ሕጊ ጥራይ ዘይኮነ ማለት'ዩ።
ብዙሓት ክኢላታት እዚ ቃል ወይ ኣገላልጻ ብተወሳኺ ንሓዘንን ተቓውሞን ኣብ ምግላጽ`ውን ክጠቅም ከም ዝኽእል ይሰማምዑ።
“እዚ ንዝተፈላለዩ ተሞክሮታት ክቱር ዓመጽ፣ ትርጉም ዝወሃበሉ ኣገባብ ወይ መንገዲ ይኸውን፡" ትብል ቫሱኪ ነሳያህ (ፕሮፈይሰር ምጥባቕ ኣብ ሰብኣዊ መሰላትን ዓለምለኻዊ ሕጊን ኣብ ኒው ዮርክ ዩኒቨርሲቲ)።
እዚ መርመራዊ ትሕዝቶ SBS Examines (ኤስቢኤስ ኤግዛሚንስ) ኣካታዒ ታሪኽ ኣመጻጽኣ ገበን ምጽናት ዓሌት ዝፍትሽን እዚ ቃል ኣብ'ዚ እዋን ከመይ የገልግልን ዝምልከትን'ዩ።