“ናይ ኣውስትራሊያ ስርዓተ መጠንቀቝታታ ህጹጽ ኩነታትን ደረጃታት ሓደጋ ሓዊን ከመይ ይመስሉን ብኸመይ ግብረ መልሲ ይወሃብን” ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ

NSW Rural Fire Service crews protect properties on Waratah Road and Kelyknack Road as the Wrights Creek fire approaches Mangrove Mountain north of Sydney Source: AAP / AAP Image/Dan Himbrechts
ኣውስትራሊያ ንኽቱር ሕማቕ ኩነታት ኣየር ሓደጋ ዝተቓልዐት ሃገር እያ ። ኣብዚ እዋን እዚ ሓድሽ ሃገራዊ መዐቀኒ ዘለዎ ናይ ሓዊ ሓደጋ ስርዓተ ዓቐን ተኣታትዩ ኣሎ ፡ ንማሕበረሰብ ከምኡ "ውን ንናይ ህጹጽ እዋን ግብረ-መልሲ ትካላት ሓደገኛ ዝኾነ ፍጻመታት ከጋጥምከሎ ንኽርድኡ ፡ ንኽዳለዉ ፡ ከምኡ" ውን ንዝተፈላለየ ሓደገኛ ኣጋጣሚታት ከም ባርዕ ጫካ፡ ምዕልቕላቕ ማይ ፡ ህቦብላ ንፋስ ፡ ብርቱዕ ዋዒ ዝኣመሰሉ ግብረ-መልሲ ንምሃብ ዝሕግዝ ስርዓተ-መጠንቀቕታ እዩ። እቲ ክብደቱ እንታይ ማለት ምዃኑን ነፍሲ ብወከፍ እንታይ ኽግበር ከም ዝግባእን ኣብዚ ክገልጽ እዩ ።
Share