ላዕለዋይ ኤዲተር ኤንቢኤ-ኣውስትራልያ ቢንያም ኪዳነ ሓደ ካብ’ቶም ጸለውቲ ሰባት ኣብ ስፖርታዊ ሜድያ

Source: NBA Australia
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (05/10/2020) ** ማራቶን ለንደን ቀነኒሳ በቀለ ካብ ምውድዳር ድሕሪ ምንስሓቡ ዓወት ኤልየድ ኪፕቾገ እናተጸበየ ኢትዮጵያዊ ሹራ ኪታታ ቦሎኽ ኢሉ ብምውጻእ ተዓዊቱ፡ ** ጂሮ ድ'ኢታልያ ቀዳም ተጀሚሩ፡ ኤርትራዊ ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር እንኮ ተሳታፊ ዞባና ብቑዕ ምንቅስቓስ የርኢ፡ ** ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ዝመጽእ ወርሒ ሕዳር መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ካሜሩን 2020 ኣብ ዝቃረብሉ ዘለው እዋን ንውበቱ ኣባተ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ጌሩ ሰይምዎ፡ ** ናይ ኤንቢኤ ኣውስትራልያ ላዕለዋይ ኤዲተር ቢንያም ኪዳነ ሓደ ካብ’ቶም ኣብ ቅድሚት ዝስርዑ ጸለውቲን ድምጽን መድያ ኣብ ባስኬትቦል’ዛ ሃገር ከምዝኾነ ትፈልጡ’ዶ?
Share