“ምእንቲ ሰላም ንዝኽፈል መስዋእቲ ወትሩ ድልዋት ኢና።” ቢሮ ጸጥታ ትግራይ

TPLF

Source: Wikipedia

ኣብ ትግራይ ብከቢድን ቀሊልን ኣጽዋር ዝተዓጀበ ወታደራዊ ምርኢት ተኻይዱ። እቲ ምርኢት ቀዳማይ ሚንስተር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ህወሓት ብመረጻ መንግስቲነቱ ንካልኦት ውድባት ኣሕሊፉ እንተሂቡ ብውሳኔ ባይቶ ፌደሬሽን መንግስቲ ፌደራል ኣብ ትግራይ ኢድ ከእቱ ከም ዝግደድ ምስተዛረቡ ድሕሪ 4 መዓልትን ፤ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ንህወሓት ከጥፍእ ከም ዝሰርሕ ኣብ ዝተሓነየሉ ቅንያትን 'ዩ። ግብጺ ኣብ ጎረቤት ኢትዮጵያ ዝኾነት ግዝኣት ሶማሊላንድ ወታሃደራዊ መዓስከር ክትሃንጽ ሓቲታ ፤ ኢትዮጵያ ነቲ ኩነታት ብተጠንቀቕ ትምልከቶ ከም ዘላ ገሊጻ። ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነበሩ ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ንዝነበሩ ወገናት ኮቪድ - 19 ዘውረዶ ማህሰይቲ ንምጽዋር ዝሕግዝ ሓገዝ የወፍዩ ኣለዉ። ስነጥበባዊ ዳዊት ዘካርያስ ኣብ ትግራይ ብኮቪድ-19 ህይወቱ ሓሊፉ ሓመድ ድበኡ ኣብ መቐለ



Share