ንሕና፡ ኣብ’ዚ ሃገራዊ ቅዋማዊ ጉባኤ 2017 ተኣኪብና ዘለና፡ ካብ ኩሉ ነቑጣታት ደቡባዊ ሰማይ ዝመጻና፡ ነዚ መግለጺ ካብ ልብና ነውጽእ፡ ናትና ዓሌታት ኣቦሪጂናውያንን ደሴታት መጻብቦ ቶረስን ኣብ ኣህጉር ኣውስትራልያን ዘካብብዋ ደሴታትን ቀዳሞት ሉኣላዊ ህዝብታት እዮም ኔርና፡ ኣብ ትሕቲ ናትና ዝኾኑ ሕግታትን ልምድታትን ከኣ ወኒንናያ። ነዚ ኣቦሓጎታትና ዝተግበርዎ፡ ብመሰረት ኣጸባጽባ ባህልና ፍጥረት ካብ ዝጅመር፡ ብመሰረት ያታዊ ልምድታት ከኣ ካብ ‘ጥንቲ ግዜ’፡ ብመሰረት ሳይንስ ከኣ ልዕሊ 60,000 ዓመታት ይገብር። እዚ ሉኣላውነት መንፈሳዊ ሓሳብ’ዩ፡ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝኸደ ጥምረት ኣብ መንጎ መሬት፡ ወይ ‘ኣደ ተፈጥሮ’ን ካብኣ ዝተወልዱ፡ ምስኣ ተላጊቦም ዝቕጽሉን ሓደ መዓልቲ ምስ’ቶም ዝሓለፉ ኣባሓጎታትና ክጽንበሩ ናብኣ ግድን ዝምለሱ ህዝብታት ኣቦሪጂንን ደሴታት መጻብቦ ቶረስን እዩ። እዚ ምትእስሳር መሰረት ዋንነት መሬት፡ ወይ ብዝበለጸ ኸኣ ሉኣላውነት’ዩ። እዚ ቅድሚ ሕጂ ፈጺሙ ካብ ኢድና ወጺኡ ንኻልእ ኣይተዋህበን ወይ ኣይጠፍአን፡ ምስ ሉኣላውነት ዘውዲ/መሬት ብሓባር ዝነብር እዩ። ከመይ ኢሉ ካልእ ይኸውን፧ ህዝብታት ንሱሳ ሺሕ ዓመታት መሬት ዝወነንዎን እዚ ቅዱስ ምትእስሳር/መላግቦ ካብ ታሪኽ ዓለም ኣብ’ዘን ውሑዳት ናይ መወዳእታ ክልተ ሚእቲ ዓመታት ክጠፍእ፧ ምስ ኣገዳሲ ቅዋማዊ ለውጢን ትካላዊ ጽገና/ምትዕርራይን፡ ንሕና እዚ ካብ ጥንቲ ዝጸንሐ ሉኣላውነት ዝያዳ ምሉእ ዝኾነ መግለጺ ሃገርነት ኣውስትራልያ ኮይኑ ጎሊሑ ክወጽእ እዩ ኢልና ንኣምን። ብተዛማዲ ክረአ እንከሎ፡ ንሕና እቶም ኣብ’ዛ ፕላነት ኣዝዮም ዝዳጎኑ/ዝእሰሩ/ማእሰርቲ ዘጋጥሞም ህዝቢ ኢና። ንሕና ብተፈጥሮና ገበነኛታት ዝኾና ህዝቢ ኣይኮናን። ደቅና ተራእዮም ብዘይፈልጡ መጠናት ካብ ስድራቤቶም ተፈልዮም ይግለሉ። እዚ ንዕኦም ፍቕሪ ዘይብልና ስለዝኾነ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። መናእሰያትና ከኣ ብዘሕፍር ቁጽርታት ኣብ መዳጎኒ ይሳቐዩ። ንመጻኢ ተስፋና ክኾኑ እዩ ዝግብኦም። እዚኦም መዐቀኒታት ናይ’ቲ ቅልውላውና ብግልጺ ትካላዊ ተፈጥሮ ጸገምና ዝነግሩ’ዮም። እዚ ስቅያት ናይ’ቲ ሓይሊ ዘይብልና/ምስኣንና ምዃና እዩ። ንሕና ህዝብና ንምሕያልን ዝግበኣና ቦታ ኣብ ገዛእ ሃገርና ንምውሳድን ቅዋማዊ ጽገናታት ክግበሩ ንጠልብ ኣለና። ኣብ ልዕሊ መጻኢ ዕድልና ስልጣን ምስ ሃለወና ደቅና ክዕንብቡ/ክስስኑ እዮም። ኣብ ክልተ ዓለማት ረጊጾም ክኸዱ’ዮም፡ ባህሎም ከኣ ህያብ ንሃገሮም ክኸውን እዩ። ንሕና ድምጺ ቀዳሞት ህዝብታት (First Nations Voice) ኣብ ቅዋም ተወቂሩ ክሰፍር መጸዋዕታ ነቕርብ። ማካራታ (Makarrata) መወዳእታ መዕለቢ ኣጀንዳና እዩ፡ ድሕሪ ሓደ ቃልሲ ብሓባር ምትእኽኻብ። እዚ ኣብ ፍትሕን ርእሰ-ውሳነን መሰረት ጌሩ ንሓደ ርትዓውን ሓቀኛን ዝምድና ምስ ህዝቢ ኣውስትራልያን ዝሓሸ መጻኢ ደቅናን ዘለውና ባህግታት ይቐርጽ። ንሕና ሓደ መስርሕ ምምስራት-ስምምዕ ኣብ መንጎ መንግስትን ቀዳሞት ህዝብታትን ከምኡ’ውን ምንጋር-ሓቅታት ብዛዕባ ታሪኽና ዝቆጻጸር ኮሚሽን ማካራታ (Makarrata Commission) ክቐውም ንደሊ። ኣብ 1967 ንሕና ተቖጺርና፡ ኣብ 2017 ከኣ ንሕና ክንስማዕ ንሓትት። ንሕና ካብ መበገሲ ነቑጣና ነቒልናን ጉዕዞና ኣብ መላእ’ዚ ሰፊሕ ሃገር ጀሚርናን። ንሕና ኣብ ሓደ ምንቅስቓስ ህዝቢ ኣውስትራልያ ንዝሓሸ መጻኢ ምሳና ክትጓዓዙ ንዕድመኩም።
ንተወሳኺ ሓበሬታ መርበብ ሓበሬታ ዘተ ኡሉሩ (Uluru Dialogue) ኢልኩም ኣብ ብጽሑ፡ ወይ በዚ ኢመይልንኢንዲጀነስ ማእከል ሕጊ (Indigenous Law Centre)፡ ዩኒቨርሲቲ ኒው ሳውዝ ዌልስ (UNSW) ጸሓፉሎም።
ኤስቢኤስ ነቲ ሃገራዊ ዘተ ብቛንቋን ባህልን ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት (CALD communities) በብናቶም ቋንቋታት ንኽቕጽልዎ ነዚ ‘መግለጺ ኡሉሩ ካብ ልቢ’ ብ63 ቋንቋታት ኣቕሪብዎ ኣሎ።