መንግስቲ ኤርትራ ብሸነኽ ሸራሮ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ተወሳኺ ወራር ንምክያድ ሓድሽ መጥቃዕቲ ከፊቱ - ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ

Source: SBS
ሓጸርቲ ጸብጻባት ዜና፡ * ኣብ ትግራይ ዝጸንሓ ትካላት ረዲኤት ብሰሪ መጥቃዕቲ ድሮን ግልጋሎተን ደው ከምዘበላ ው.ሕ.ሃ. ኣፍሊጡ፡ * መንግስቲ ኤርትራ ብሸነኽ ሸራሮ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ተወሳኺ ወራር ንምክያድ ሓድሽ መጥቃዕቲ ከፊቱ ክብሉ ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ከሲሶም፡ * ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ቀዳም ኣብ ዝሃብዎ ቃለመሕትት ኣብ ኤርትራ ሓደስቲ ልምዓታዊ መደባት ከም ዘይህልው ብምግላጽ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ግን ‘ስቕ ኢልና ክንርኢ ኣይንኽእልን ኢና’ ምባሎም ይዝከር፡ * ብኻልእ ወገን ሰራዊት ትግራይ ብሸነኽ ደቡብ ትግራይ ንዝነብሩ ሰለስተ ክፍላተ ሰራዊታት ኢትዮጵያ ደምሲሱ ዕርዲ ምክልኻሉ ኣስጢሙ ይቕጽል ኣሎ ክብል ማእከላይ ኮማንድ ናይ’ቲ ሰራዊት ኣፍሊጡ፡ * ኣብ ኢትዮጵያ ዋጋ መድሃኒት ብ40 ሚእታዊትከምዝወሰኸ ተሓቢሩ
Share