ስግኣት ኣብ ምስሕሓባት ብዛዕባ ሕጋውነት መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ድሕሪ መስከረም 25

Source: Bloomberg, YouTube
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ሰሉስ መስከረም 25 2013 ብኣቆጻጽራ ግዕዝ (ወይ ጥቅምቲ 5 2020 ብኣቆጻጸራ ጎርጎሳውያን) እናቐረበት ኣብ እትመጸሉ ዘላ እዋን መንግስታዊ፡ ቅዋማዊን ፖለቲካዊን ስግኣታት ዝፈጥሩ ምዕባለታት ይረኣዩ ኣለው። ክሳብ ክንደይ ኣስጋእቲ’ዮም ምናልባት ክትግምቶም ኣሸጋሪ’ዩ። እንተኾነ ግን ካብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ፔን ኣሜሪካን ኮንግረስ ኣሜሪካን ጀሚርካ ክሳብ’ቶም ዝበዝሑ ጸለውቲ ሰልፍታትን ውድባትን ኣብ ኢትዮጵያ: መንግስቲ ኢትዮጵያ ብተግባራቱ’ዩ እዚ ቅልውላው ዘጋድዶ ዘሎ ዝብል ኣመለኻኽታ ብምሓዝ ስግኣቶም ይገልጹ። ኣብ ርእሲኡ እቲ ፍታሕ ዘይሰብኣዊ ተግባራት መንግስቲ ደው ምስ ዝብልን ናብ ባይታ ዝርርብ ምስ ዝምጻእን’ዩ ይብሉ’ለው።
Share