ሰበባ ወይ ምዕሳው ዘስዕቦ ጥዕናዊ ጸገም

Source: Getty Images
ኣብ ኣውስትራልያ ፡ ኣብ ምዉቕን ጠሊ ዘለዎን ከባቢ ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ልዕሊ ንቡር ጠሊ ዘለዎ ከባቢ ፡ሰበባ (ሞልድ) ክርአ ልሙድ እዩ ። ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ኣውስትራልያ ዘጋጠመ ብርቱዕ ዝናምን ምዕልቕላቕን ፡ ቅድሚኡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ምስፍሕፋሕ ሰበባ ኽስዕብ ይኽእል እዩ ፣ እዚ ከኣ ሓደገኛ ጥዕናዊ ፀገማት ክፈጥር'ዩ ። ኣብ ኲንስላንድን ሰሜናዊ NSWን ዝርከብ መብዛሕትኡ ብብዝሒ ማይ ኣይሂ እተጐድአ ቦታታት ፡ ንዕብየት ምሕደራን ንምውጋዱን ኣዝዩ ተኣፋፊ እዩ ፣ እዚ ድማ ንሓደጋ ዘቃልዕ ፡ ብዙሕ ወጻኢታት ፡ ከምኡ "ውን ናይ ሰብ ሞያ ዝሓይሽ መፍትሒ ምርካብ ክኸውን ከም ዝኽእል እዮም ክኢላታት ዝሕብሩ ።...
Share