ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ተስፋ ኣርሰናል ንጽዋዕ ፕሪምየር ሊግ የጸልምት፣ ለሚ ብርሃኑ ኣብ ማራቶን በይጂንግ ሃዊ ፈይሳ ኣብ ፍራንክፈርት ተዓዊቶም፣

Credit: SBS
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (04/11/2024) * ለባሲ ቀጠልያ ማልያን ሰለስተ ግዜ ተዓዋቲ መድረኽ ዝኾነን ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ክቡር ዕዱም ኮይኑ ኣብ ዝተረኽበሉ ዙር ፈረንሳ 2025 ዝኽተሎም መንገድታት ብወግዒ ኣፍሊጡ፡ * ሃዊ ፈይሳ ኣብ ማራቶን ፍራንክፈርት ድሕሪ ምዕዋታ ኢትዮጵያውያን ዝርዝር ኣስማት ብሉጽ ግዜ ማራቶን ናይ ኩሉ ግዜ ዘመዝገባ ኣትሌታት ዓለም ምዕብላለን ይቕጽላ፣ * ኣብ ማራቶን ቶክዮ ካልኣይቲ ዝወጸት ጸሃይ ገመቹ ምስ ምድንፋዕ ደም ብዝተኣሳአር ጥሕሰት ተጠርጢራ ንኣርባዕተ ዓመት ተኣጊዳ፣ * ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ምንቁልቋል ኣርሰናል ዘጋደደት ሽቶ ብምምዝጋብ ጋንትኡ ኒውካስትል ዩናይትድ ክትዕወት ክሕግዝ'ንከሎ ሻምፒዮን ማንቸስተር ሲቲ ንፈለማ ግዜ ኣብ'ዚ ወቕቲ ስዕረት ኣጋጢምዋ፣
Share