ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (15 ጥሪ 2024)

Credit: Getty Images
ፈለማ ንጥንታውያን ወነንቲ ናይ’ዚ ሎሚ መደብና ነመሓላልፈሉ ዘለና መሬት ኣፍልጦ ክንህብ ንፈቱ፣ ኤስቢኤስ ትግርኛ ንህዝብታት ዉራንጁሪን ዋይውራንግን ናይ ሃገረ ኩሊንን ሕሉፋትን ህሉዋትን ዓበይቲ ዓዲ ክብሪ ይህብ። ብተወሳኺ ንጥንታዊያን ወነንቲ ሎሚ ካብ ትሰምዕዎ ዘለኹምን ኩሎም መሬታትን ደቀባት ኣቦሪጅንን ህዝብታት መጻብቦ ቶረስን ኣፍልጦ ንህብ። ካብ’ዚ ካብ ስቱዲዮ SBS መልበን፡ Australia፡ ንሎሚ ሶኑይ 15 ጥሪ 2024 ዘዳለናዮም መደባት ሒዝና ቀሪብና’ለና። ዝሓለፈ ሰሙን ዝጀመርናዮ ኣብ ትግራይ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝምዕብል ዘሎ ኩነታት፡ ምድላይ ባሕሪ ኢትዮጵያን መጻኢ ኣመቱን ዝምልከት ምስ ምሁር ፖለቲካን ተንታንን ካብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር መረሳ ጸሃየ ዘካየድናዮ ሰፊሕ ቃለመሕትት ሎሚ ካልኣይ ክፋሉ ከነቕርበልኩም ኢና። ኣብ ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ንተዓዘብቲ ዝመሰጡ መኽፈቲ መደባት ድሕሪ ምክያዶም ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2023 ኣብ ኣይቮሪኮስት ቀዳም ብድሙቕ ኣገባብ ተኸፊቱ፣ ኣይቮሪኮስት ብዓወት ክትጅምር እንከላ ናይጀርያ ምስ ኢኳቶርያል ጊኒን ግብጽ ምስ ሞዛምቢክን ካብ ትጽቢት ወጻኢ ማዕረ ወጺኤን፣ ኢትዮጵያዊ ገዲም ተቐዳዳማይ ብሽግለታ ጽጋቡ ግርማይ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ሩዋንዳ ድሕሪ ምስታፉ ካብ’ቲ ስፖርት ክሰናበት ምዃኑ ኣፍሊጡ፣ ኤርትራዊ መንእሰይ ዮኤል ሃብተኣብ ምስ ጀርመናዊት ጋንታ ባይክ ኤይድ ተጸንቢሩ፣ ኮንፈደረሽን ኩዕሶ ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ሓደ ምትላል ዕድመ ፈጺሙ ዝተባህለ ጋቦናዊ ተጻዋታይ መርመራ የካይድ ከምዘሎ ገሊጹ፣ ፍርቀን ፕሪምየር ሊግ ጋንታታት ጥራይ ግጥማተን ኣብ ዘካየዳሉ ሰሙን ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ሽቶ እንተመዝገበ’ኳ ጋንትኡ ኒውካስትል ዩናይትድ ብሻምፒዮን ማንቸስተር ሲቲ ተሳዒራ ዝብሉ ንዝርዝሮም ኣርእስታትና’ዮም። ቋንቋ እንግሊዝ ዝምህር መደብ'ውን ኣለና። ሶኑይ ብምዃኑ ንሎሚ ይምጥኑ’ዮም ዝበልናዮ ጣዕመዜማታት’ውን ከነቕርበልኩም ኢና።
Share