ደቅኹም ኣብ ኣውስትራልያ ከተዕብዩ ምሕንባስ ክምሃሩ ንምንታይ የድሊ ኣብ'ዚ እነሀልኩም

Swim Instructor Working with a Little Girl

Parents are encouraged to ensure their children don’t drop out early from swimming classes before reaching minimum competencies for their age. Credit: FatCamera/Getty Images

ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት እቶም ዝለዓለ ተኽእሎ ሓደጋ ናይ ምጥሓል ዘለዎም’ዮም፣ ኣብ መላእ ኣውስትራልያ ዓመታዊ ብማእከላይ ገምጋም 23 ሞታትን 183 ሆስፒታል ዝኣትዉን የጋጥሙ። ደቅኹም ድሕነቶም ሓልዮም ምሕንባስ ክኽእሉ ክትሕግዝዎም ኣገዳሲ’ዩ፣ ብፍላይ ኣብ’ቶም ምስ ማይ ዝተኣሳሰሩ ንጥፈታት ልሙዳት ዝኾንሉ ቦታ ምስ እትነብሩ። ኣብ ኣውስትራልያ ዕድመን ቀዲሙ ዝነበረኩም ተሞክሮን ብዘየገድስ ህጻናት ዘድልይዎም ክእለታት ከማዕብሉሎም ዝኽእሉ ኣማራጺታት ኣለዉ።



Share