ኣብ መዳጎኒ መዓስከር ስግር ባሕሪ አውስትራልያ ኮይኑ መጽሓፍ ዝጸሓፈ ስደተኛ ኣብ ፌስቲቫል ስነጽሑፍ ክሳተፍ ኒውዚላንድ ኣትዩ

Source: Twitter
ፍሉጥ ስደተኛ ተጣባቒ ቤሕሩዝ ቡሻኒ ኣብ ሓደ ፌስቲቫል ስነጽሑፍ ክሳተፍ ቪዛ ምስ ተዋህቦ ኣብ ኒውዚላንድ ኣትዩ። ሚስተር ቡሻኒ ልዕሊ 6 ዓመታት ኣብ መዳጎኒ መዓስከር ስደተኛታት ፓፑዋ ኒው ጊኒ ጸኒሑ፡ መብዛሕትኡ እዋን ከኣ ኣብ ልዕሊ’ቲ ናይ ኣውስትራልያ መስርሕ መመስርሒ ስደተኛታት ስግር ባሕሪ ዝለዓለ ተቓውሞ ዘስምዕ ድምጺ ኔሩ። ንሱ ንፓፑዋ ኒው ጊኒ ወይ ፒኤንጂ ክምለስ መደብ የብለይን እንተበለ’ኳ መጻኢ ዕድሉ ግን ገና ዝተረጋገጸ ኣይኮነን፡ ንሕጂ ግን ዓለም ዛንትኡ ክትፈልጥ ይደሊ።
Share