ድሕነትን ጥዕናን ሰራሕተኛታት ብኸመይ ይሕሎ፧ ሓደጋ ከየጋጥም፡ ምስዘጋጥም ዝውሰድ ስጉምቲን። ዝርርብ ምስ በዓል ሞያ መኮንን ተስፋይ

Capture.JPG

Mekonnen Tesfay Credit: Beyene Weldegiorgis

ኣቶ መኮንን ተስፋይ፡ ኣብ ትካላት ንድሕነት ሰራሕተኛታት ዝከታተልን ዝምህርን በዓል ሞያ ኮይኑ፡ ኣስራሕቲ ሕጊ ተኸቲሎም ጥዕናን ድሕነትን ሰራሕተኛታቶም ክሕልው ዝከታተል ወይ ዝመክር ሞያ እዩ። ብተወሳኺ እዚ ሞያ፡ ጥዕና ኣከባቢ ንምሕላው ዝተፈላለየ ንኣከባቢ ዝብክሉ ቀመማት ካብ ፋብሪካታትን መዐደኒ ትካላትን ዝምንጭዉ ኣብ ህይወታውያን ሓደጋን ሕማምን ከየስዕቡ ንኣስራሕቲ ዝከታተልን ዝሕግዝን ሞያ ኢዩ። ሰራሕተኛታት ኣብ ስራሕ ከጋጥሞም ዝኽእል ሓደጋን ጥንቃቐን፡ ኣስራሕቲ፡ ካብ ሓደጋ ንምክልካል ንሰራሕተኛታት ዝህብዎ ዋሕስን ኣሰራርሓን ምስኡ ዝተሓሓዙን ሕቶታት መሊሱ ኣሎ፡ ቀዳማይ ክፋሉ ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ፡ ካል ኣይ ክፋሉ ኣብዝመጽእ መደብ ክቐርብ እዩ።



Share