"ብዘይፈለጥናዮ ምኽንያት፡ ኣብ ኣስመራ ዘለና ገንዘብ ከነውጽእን ክንጥቀመሉን ተኸልኪልና፡” መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ (ዜና SBS ትግርኛ 04 መስከረም 2024)

SBS Tigrinya Newsflash

Source: SBS

ንሎሚ 4 መስከረም 2024 ዝተዳለዉ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ አቕርበልኩም፡ ኣርእስታት ዜና፡ "ብዘይፈለጥናዮ መገዲ፡ ኣብ ኣስመራ ዘለና ገንዘብ ከነውጽእን ክንጥቀመሉን ተኸልኪልና፡ በዚ ድማ ናብ ኣስመራ በረራ ደው ከነብሎ ተገዲድና ” ክብል መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ገሊጹ። ኣብ ዩክረይን ከተማ ፖሊታቫ ፡ ብሚሳይል ሩስያ እንተ ወሓደ 51 ሰባት ሞይቶም ፡ ልዕሊ 200 ካልኦት ድማ ቝሲሎም ። ቀንዲ መራሒ ተቓዋሚ ኡጋንዳ ቦቢ ዋይን ኣብ ከተማ ካምፓላ ብኣባላት ጸጥታ ብዝተተኮሰሉ ጥይት እግሩ ተወጊኡ።



Share