ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (16 መስከረም 2024)

SBS Tigrinya Newsflash

Source: SBS

ኣርእስታት ዜና፥ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዝመጽእ ሰሙናት ንዩክረይን ዝወሃብ ብዙሕ ሓገዝ ንምግባር ተዳልያ ከም ዘላ ገሊጻ ። ኣብ ማራቶን ሲድኒ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ብኬንያዊ ብሪሚን ሚሶይ ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ብ ኢትዮጵያዊት ወርቅነሽ እዴሳ ሓድሽ መዝገብ ክብረ ወሰን ተመዝጊቡ ። ኣባል ኮሚተ ዝምድናታት ወጻኢ ባይቶ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ሓያል ጸቕጢ ክግበርን ንተቓወምቲ መንግስቲ ኤርትራ ሓገዝ ክግበረሎምን ጸዊዑ። ዒድ መውሊድ ኣል-ነቢ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክብ ዝበለ ስነስርዓት ተከቢሩ።



Share