SBS ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ መበል 11 ክፋል፡ ናብ ድግስ (መደብ ምዝንጋዕ/ፓርቲ) ምኻድ | English on Repeat (Easy)

EOR_11_partyB_1800x1012_pink.jpg

ነዚ ናይ ምዝራብ ክእለትና ከነመሓይሽ ዝሕግዝ ሓረጋት ቋንቋ እንግሊዝ እናደጋገምና ንመሃረሉ መደብ 'English on Repeat' ስምዕዎ፡ ናብ'ቲ ድግስ (መደብ ምዝንጋዕ) ክትመጹ ዲኹም? | ነቲ ድግስ ብሃንቀውታ'የ ዝጽበዮ ዘለኹ። | ስጋ ክንጠብስ ናብ እንዳ ዓርከይ ክኸይድ'የ። | ኣነ ገለ ዝተጠብሰ ድንሽ (ቺፕስ)ን ዝጥማዕን ከምጽእ'የ። | ንስኹም'ከ እንታይ ከተምጽኡ ኢኹም፧?


እዚ ትምህርቲ ንቀሊል-ደረጃ ዘለዎም ተመሃሮ ዝተዳለወ'ዩ።

ኣብ'ዚ ፈነወ፡ ነዞም ዝስዕቡ ሓረጋት ምድጋም/ምባል ክንለማመድ ኢና፡

  • Will you come to the party? (ናብ'ቲ ድግስ (መደብ ምዝንጋዕ) ክትመጹ ዲኹም፧)
  • I’m looking forward to the party. (ነቲ ድግስ ብሃንቀውታ'የ ዝጽበዮ ዘለኹ።)
  • I'm going to my friend’s for a barbecue. (ስጋ ክንጠብስ ናብ እንዳ ዓርከይ ክኸይድ'የ።)
  • I'll bring some chips and dips. (ኣነ ገለ ዝተጠብሰ ድንሽ (ቺፕስ)ን ዝጥማዕን ከምጽእ'የ።)
  • What will you bring? (ንስኹም'ከ እንታይ ከተምጽኡ ኢኹም፧)

Credits:
Host: Steven Ellis
Educational Consultant: Ai-lin Bhugun
Written and produced by Josipa Kosanovic
Music Composition: Adam Hulbert
Program Manager: Janine Googan
Head of Planning and Development: Pamela Cook

Share