ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (16 መጋቢት 2023)
ኣብ ናይ ሎሚ ሓሙስ 16 መጋቢት 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ኣቶ ኣርኣያ ካሳ፡ ን “ምምዕባል ትግርኛ” ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዝተፈላለዩ ጽሑፋት እናቕረበ ዘስተምህር እዩ። ነዚ ኣመልኪትና፡ ብዛዕባ ኣብዚ እዋን ቋንቋ ትግርኛ በጺሕዎ ዘሎ ምዕባለን፡ እቲ ቋንቋ ዝለዎ ጸገማትን ሓሳቡ ኣካፊሉና ኣሎ፡ ቀዳማይ ክፋሉ ከነቕርቦ ኢና። ብዘይካዚ፡ ንጾመ ኣርብዓ ኣመልኪትና ምስ ቆሞስ ኣባ ዮሃንስ ከበደ ዝገበርናዮ ዝርርብ ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ዝሓዘ እዩ። ግፍዕታት ኲናት ትግራይ ተሓታትነት ክህልዎ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ሓቲቱ መንግስቲ ንምዕላው ምንቅስቓስ ተኸሲቱ ከም ዝነበረ ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ተዛሪባ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ሰብ መዚ ሱዳንን ሶማልን ተራኺቡ። ጋዜጠኛታት ድምጺ ወያነ ብብዝሒ ስርሖም ይገድፉ ኣለዉ ተባሂሉ። ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፥ ናብ ቤት ፍርዲ ከይከድካ ብኸመይ ፍትሕ ይካየድ ዝብል ክኸውን እዩ ። ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ ** ሚኒስተር ምክልኻል ሪቻርድ ማርለስ ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ፖል ኬቲንግ ብዛዕባ እቲ ኣውስትራልያ ዝገበረቶ ስምምዕ AUKUS ሳብማሪን ዝሃቦ ነቐፌታ ፡ ነቲ መንግስቲ ኣብ ጸጥታ ዘለዎ ምትእምማን ኣየነቓነቖን’ዩ ኢሉ። ** ወናኒ ፈይስቡክን ኢንስታግራም ሜታን ኣብዚ ዓመት እዚ ተወሳኺ 10,000 ሰርኣሕተኛታት ከም ዘባርር ገሊጹ። ** ኣብ ማላዊ ፡ ብሰንኪ ህቦብላ ንፋስ ትሮፒካዊ ህቦብላ 190 ሰባት ሞይቶም።
Share