ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ (24 ሕዳር 2022)

Live Podcast Ibro 1.JPG

ናይ ሓሙስ 24 ሕዳር 2022 ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፡ ደሃይ ዋንጫ ዓለም ቐጠር 2022 ነቕርበሉ ሓደ ትሕዝቶ ክህልወናዩ፣ ኣብ ኣርጀንቲናን መሲን፣ ዓወት ስዑዲያ፣ ፍትሕ ሮናልዶን ማንቸስተር ዩናይትድን፣ ኣውስትራሊያ ክድህስሶም እዩ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ ኣርእስታቶም እዞም ዝስዕቡ እዮም፥ ኣብ ኤርትራ ደሞክራሲ ንምህናጽ ዝዓለመ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ለንደን ይካየድ ኣሎ። መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ስሩዕ በረራ ከም ዝጅምር ኣፍሊጡ። ኣሜሪካ፣ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ምትግባር ስምምዕ ሰላም ንኲናት ትግራይ ኣብ ምክትታሉን ምጽራዩን ብዝልዓለ ከምእትዋሳእ ገሊጻ። ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፥** ብዛዕባ ኣውስትራሊያዊያን ኣትማንን ሳሬትን፡ እንታይ ትፈልጡ ምስትንከሱ እንታይ ትገብሩ?። ዝብል ኣርእስቲ ዝሃዘዩ ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና፥ ዕላል ምስ ፍሉጥ ተጻዋቲ ኲዕሶ እግሪ ኣዱሊስን ሃገራዊት ጋንት ኢትዮጵያን ዝነበረ ጎዶፋይ ደባስ (ቀዳማይ ክፋል) ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ @ ብ ሓያሎ ትካላት ፖሊስ ፡ ኣብ ኣህጉራዊ ዓንኬል ሓሽሽ ብእተገብረ መርመራ ፡ ሚልዮናት ዶላር ጥረ ገንዘብን ሓሽሽን ምሕሪ ምትሓዙ ሽዱሽተ ሰብ ሲድኒ ተኸሲሶም ። @ ፕረዚደንት ቱርኪ "ኣብ ዝሓጸረ እዋን" ኣብ ሶርያ ወተሃደራዊ ስርሒት ከም ዝገብር ኣፈራሪሑ ። @ ሪትሱ ዶናንን ታኩማ ኣሳኖን ብዘመዝገብወን ናይ መወዳእታ ሸቶታት ፡ ጃፓን ን ጀርመን ስዒራታ።



Share