ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ ፖድካስት (23 ሰነ 2022)

Source: Getty Images
ሎሚ ሓሙስ 23 ሰነ 2022 ናይ ሓደ ሰዓት መደብና ምሳና ከተምስዩ ብኽብሪ እናዓደምኩ ድሕሪ ዜና ዝህልዉና መደባት ከፋልጠኩም፡ ካብ ኣርእስታት ጸብጻብ፣ ** ክልተ ሰልፍታት ፖለቲካ ትግራይ: ገዝሚ ሰማእታት ትኸውን ሉኣላዊት ሃገር ክትፍጠር ሓቲቶም። ** መንግስቲ ትግራይ ብወገኑ: ኣብ 130 ዓመታት፤ በቢ 30 ዓመቱ -ዝተኸስተ ዑደት ኩናት፣ ንሓዋሩን ከብቅዕ ይሰርሕ ከም ዘሎ ገሊጹ። ** ኤርትራ ዘይተረኽበትሉ ኣኼባ ቻይና ምስ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ 'ሰላምን ፀጥታን' ንምውሓስ ዝርርብ ከም ዝተኻየደሉ ተሓቢሩ። ብምኽንያት እቲ በብዓመቱ ኣብ 20 ሰነ ዝዝከር መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ተጋድሎ ሃርነት ኤርትራ ዝነበሩ'ሞ ዝተሰውኡ ኣብ ምስናድ ዝነጥፍ ተጋዳላይ መስፊን መንግስቱ ዝተገብረ ካልኣይ ክፋል ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ክቐርብዩ። መስርሕ ስርዓተ ቐብሪ ኣብ ኣውስትራሊያ ብኸመይ እዩ ዝፍጸም ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ዝቐርብ ትሕዝቶ እዩ። ኣርእስታት ዜና ** ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ መንግስቲ ኣውስትራልያ ነቶም ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሶርያ ኣብ ዝርከብ መዓስከራት ተቐርቂሮም ዘለዉ ዜጋታቱ ብህጹጽ ናብ ዓዶም ኽወስዶም ጸዊዑ ። ** ኣፍጋኒስታን ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ዘይተራእየ፡ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ፡ ብውሕዱ 1,000 ሰባት ተቐቲሎም ፡ 1,500 ድማ ቈሲሎም ። ** ንቻይና ስዒባ፡ ብሪጣንያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ፍሉይ ልኡኽ ሸይማ።
Share