ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (23 ለካቲት 2023)
ሓሙስ 23 ለካቲት 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ኣብ ዩጋንዳ ‘ማሕበር ስነ ጥበባውያን ኤርትራውያን ስደተኛታት’ ተመስሪታ። ኣብ ትግራይ ሓዱሽ ፋብሪካ ስሚንቶ ተጣይሹ። ብካልእ ዜና ፋብሪካ ልስሉስ መስተ ሞሃ ጨንፈር መቐለ ናብ ስራሕ ተመሊሱ። ምምሕዳር ኣሜሪካ ንሓተትቲ ዑቕባ ዝዕንቅፅ ፅኑዕ እማመ ኣቕሪቡ። ኣብ ኢትዮጵያ ማይጽምኢ ዘበገሶ ኣድማ ቀፂሉ። ኣብ ሶማሊላንድ ብዝተወልዐ ጐንጺ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ናብ ኢትዮጵያ ተሰዲዶም። ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ዝሓለፈ ሰሙን ዝጀመርናዮ “ግብረ ሰዶምነት፡ ናይዚ ዘመንዚ ሞራላዊ ትንግርቲ” ብዝብል ኣርእስቲ መጽሓፍ ዝጸሓፈ ዳዊት ዘወልዲ ዝገበርናዮን ምስ ናይቲ ብሃገር ደረጃ ዝወሃብ ክቡር ስልማት "James Beard Award" ካብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣመሪካ ኣብ ፍርቂ ፍጻመ በጺሓ ዘላ ኤርትራዊት ኣመሪካዊት ኣልጋነሽ ዘካፈለትና ተሞክሮኣ መቐጸልታ ክቐርብ እዩ። ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ስልጠና ቀዳማይ ረዲኤት ኣበይ ትረክብ? ብዝብል ኣርእስትን ካልእ ትሕዝቶታትውን ቀሪብና ኣለና ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ ** ላዕለዋይ ዲፕሎማት ቻይና ዋንግ ዪ [ዎንግ ዩ] ኣብ ሞስኮ ምስ ናይ ሩስያ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ተራኺቡ ። ** እቲ ናይ 'እወ ጎስጓስ' ን ድምጺ ደቀባት ናብ ፓርላማ ፡ ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዓመታት ምድንጓይን ክትዕን ሎሚ ሓሙስ 23) ጀሚሩ ። ** ግዝያዊ ምምሕዳር ሉአላዊ ግዝአት ትግራይ ዘኽብርን ዝምልስን ክኸውን ይስራሕ ከም ዘሎ ተገሊጹ።
Share