ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 ሕዳር 2022)
ናይ ሎሚ ሓሙስ 17 ሕዳር 2022 ናይ ሓደ ሰዓት መደብና ፡ ልኡኽና ዝሰደደልና ኣርእስታት ጸብጻብ፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቴሌኮም ናይታ ሃገር ንምሻጥ ጨረታ ከፊቱ። ሚንስተር ኮሚኒኬሽንን ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉ ካብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ወጻእ ዘለዉ ሓይልታት ኣብ ትግራይ ክጸንሑ ከም ዝኽእሉ ሓቢሮም። ናብ ትግራይ ውሱን ሰብኣዊ ረድኤት ምእታው ከም ዝጀመረ ትካላት ረድኤት ሓቢረን። ብዘይካዚ፥ ብዛዕባ እቲ መዓልታት ጥራይ ተሪፍዎ ዘሎ ፊፋ ዋንጫ ዓለም ቐጠር ዝተሓሓዝ “ብደምን ረሃጽን ስደተኛታት ዝተሃንጸ ትሕተ ቕርጺ ዋንጫ ዓለም ቐጠር” ዝብል ሃደ ትህዝቶን ኢብራሂም ዓሊ ካብ ዘዳልዎ ዘሎ ተኸታታሊ ትሕዝቶ ሎሚ ፡ “ገምጋም ተሳተፍቲ ሃገራት ቅድሚ ምጅማር ዋንጫ ዓለም 2022 (ምድባት D-F)” ክድህስስ እዩ። ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፥ “ኣብ እዋን ሓደጋ ምዕልቕላቕን ህቦቡላን ብኸመይ ሓገዝ ይርከብ፧” ብዝብል ኣርእስቲ ክቐርብ እዩ። ኣርእስትኣት ዜና፥ ** ናሳ ‘Artemis 1 mission’ ዕዉት ናይ ሮኬት ምውንጫፍ ኣካይዱ... ** ከተማ ፎርብስ ኣብ ታሪኻ ዝለዓለ ምዕልቕላቕ ማይ ኣጋጢምዋ... ** ኖቫክ ጆኮቪች ኣብ ዉድድራት ኣውስትራሊያ ኦፐን ንኽሳተፍ ቪዛ ረኺቡ
Share