ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (16 ለካቲት 2023)

Live Podcast Ibro 1.JPG

ሓሙስ 16 ለካቲት 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ኤርትራ ካብ ዕደና ቢሻ ልዕሊ 300 ሚልዮን ዶላር ግብሪ ከም ዝኣከበት ተፈሊጡ ጳጳሳት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ተዓሪቖም። ወለዲ፣ ካብ ትግራይ ናብ ኤርትራ ናይ ዝተጨውዩ ሰባት ደሃይ ደቆም ክሓቱ ከም ዝጀመሩ ተገሊጹ። ኢትዮጵያ፥ ዓለምለኸ ኮሚሽን ሰብ ሞያ ሰ/መሰላት ስርሑ ክቋረፅ ዝሓትት ናይ ውሳነ ሓሳብ ከምዘዳለወት ኣፍሊጣ ኣብ ትግራይ ንኹሉ ዘሳትፍ ግዝያዊ መንግስቲ ንምምስራት ይስራሕ ከም ዘሎ ተገሊጹ። መበል 42 ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ። ዝብሉን ካልእ ትሕዝቶታትን ዝሓዘ ጸብጻብ ልኡኽና ክቐርብ እዩ። ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና “ግብረ ሰዶምነት፡ ናይዚ ዘመንዚ ሞራላዊ ትንግርቲ” ብዝብል ኣርእስቲ መጽሓፍ ዝጸሓፈ ዳዊት ዘወልዲ ዝገበርናዮ ዕላል ኣለና። ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ ጥሮታ ወይ ሱፐር ገንዘብካ ምስዝጠፍእ ብኸመይ ክርከብ ከምዝከኣል ፥ ብተወሳኺ ናብ ወጻኢ ሃገር ኽትግዕዙ ከለኹም ወይውን ክትሞቱ ከለኹም ሱፐራኑዌሽንኹም ወይ ናይ ጥሮታ ገንዘብኩም እንታይ እዩ ዘጋጥሞ? ። ነዚ ዝምልከት ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ካልእ ትሕዝቶታትውን ቀሪብና ኣለና ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ ** ኣውስትራሊያውያን ኣብ 2035 ብኤለክትሪክ እትሰርሕ መኪና ካብ ምግዛእ ወጻኢ ካልእ ምርጫ የብሎምን ተባሂሉ። ** ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ኣብ ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ርእሲ ከተማ ኪንሻሳ ኣብ እተገብረ ስርዓተ ቅዳሰ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ደው ክብል ጸዊዖም ኣለዉ ። ** ጳጳሳት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ተዓሪቖም።



Share