ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ ፖድካስት (15 መስከረም 2022)

Live Podcast Ibro 1.JPG

ናይ ሎሚ ሓሙስ 15 መስከረም 2022 ናይ ሓደ ሰዓት መደብና እዞም ዝስዕቡ ትሕዝቶታት ኣለዉዎ፡ ካብ ዕለታዊ ዜና፥ ** ለበዳ ኮቪድ-19 ንምጥፋእ ዓለም ካብ ዝሓለፈ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ከም ዘላ ሓላፊ ዉድብ ጥዕና ዓለም ገሊጹ ። ** ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ንንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማይ ኣብ ዌስትሃም ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ኣኽብሮቶም ክገልጹ ጀሚሮም ካብ ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ሚንስትር ጉዳይ ወጻኢ ህንዲ ቨላመቨልይ ሙራሊድርሃን ኣስመራ ኣትዩ። ካብ ሸራሮን ካባቢኡን ልዕሊ 210,000 ህዝቢ ከም ዝተመዛበለ ተገሊጹ ቃለ መሕትት፥ ወ/ሮ ሳባ ኣብርሃም ካብቶ 10 ነናይ መዓልቱ ኣውስትራሊያዊያን ተባሂሎም ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንተኒ ኣልባኔስ ናብ ለንደን ከይዳ ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ንግስቲ ኤልዛቤጥ ክትሳተፍ ዕድመ ቀሪቡላ ኣሎ። ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ተራ ብሪጣንያዊ ንግስነት ኣብ ኣውስትራሊያ እንታይ እዩ፧ ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ እዩ።



Share