ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (09 መስከረም 2024)

ንሎሚ ሰኑይ 09 መስከረም 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ን ድሮ ሓድሽ ዓመት 2017 ብሰላም ኣብጽሓኩም ንብል፡ ነዚ ምኽንያት ብምግባር ጳጉመን እንታይ ማለትዩ? ሆየ ሆየ ንምንታይ ይበሃል? ወርሒ መስከረም ሓዲሽ ዓመት ክኸውን ንምንታይ ተመሪጹ? እዚ ሓዲሽ ዓመት ምስቲ ናይ ኣውሮጳዊያን እንታይ ብልጫን ፍሉይነትን ኣለዎ? ነዚን ካልእን ሊቃውንቲ ዝሃብዎ ትንታነታት ክቐርብ እዩ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ሶማልያ ዘራጊ ንጥፈታት ትፍጽም ኣላ ክብል ከሲሱ። ኣብ ትግራይ ዘሎ ፖለቲካዊ ሕልኽላኽ ንምፍታሕ ተፈላልዮም ዘለዉ ኣካላት ፖለቲካ ንምዝርራብ ይስራሕ ከም ዘሎ ጀነራል ታደሰ ወረደ ተዛሪቡ። ኣመሪካ ብኲናት ትግራይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘንበረቶ እገዳ ተናዊሑ ኣማኢት ኤርትራውያን ብሓይሊ ካብ ቱርኪ ናብ ሃገሮም ናይ ምጥራዝ ሓደጋ ኣንጸላልይዎም ከምዘሎ ተገሊጹ። ዝብሉን ካልእን ዝሓዘ ጸብጻብ ል ኡኽና ክቐርብ እዩ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ቓዛ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ንቆልዑ ሓዊሱ እንተወሓደ 33 ፍልስጤማውያን ቀቲሉ ክብሉ ሰበስልጣን ጥዕና ቓዛ ሓቢሮም ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ፡ ብሰንበት ናብቲ ኣብ ርሑቕ ቦታታት ዝርከብ ጫካታት ፓፕዋ ኒው ጊኒ ብምኻድ ፡ ስርዓተ ቅዳሰ ኣካይዶም። ኣድነቕቲን ፈተውትን ስሙይ ኤርትራዊ ድምጻዊ ዑስማን ዓብደልረሒም ሓዘኖም እናገለጹ እዮም።
Share