ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (09 ጥቅምቲ 2023)

ናይ ሰኑይ 09 ጥቅምቲ 2023 ዝተቐረቡ ናይ ሓደ ሰዓት ትሕዝቶ፡ ኣውስትራልያዊያን ኣብ 14 ጥቅምቲ 2023 ብዛዕባ ድምጺ ደቀባት ኣብ ፓርላማ ድምጾም ክህቡ ኣብ ረፈረንደም ክሳተፉ እዮም። ነዚ ብዝምልከት ኣባላት ማሕበረሰብ ርእይቶኦም ሂቦም ልኡኽና ዝሰደደልና ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ፕረዚደንት ሶማልያ - ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ፡ ኣስመራ ኣትዩ። ባይቶታት ፌደሬሽንን ወከልቲ ህዝቢን ኢትዮጵያ ሎሚ ሰኑይ ከም ዝእከብ ተገሊጹ። ኣብ ትግራይ ን9-ሺሕ ተማሃሮ ናይ 12 ክፍሊ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ከም ዝወሃብ ተሓቢሩ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ብሰንኪ ግጭት 1,216 ኢንዳስትሪታት ስራሕ ደው ምባሎም ተሰሚዑ። ኤርትራውያን ነበርቲ እስራኤል ነቲ ኣብታ ሃገር ተወሊዑ ንዘሎ ኲናት ስዒቡ ይተሓጋገዙ ከም ዘለዉ ገሊጾም። ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊ ኣርእስታት ዜና፥ ** ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ብኣማኢት ዝቑጸሩ ፍልስጤማውያን ዕጡቓት ከምዝተቐተሉን ሓያሎ እሱራት ከምዝተወስዱን ገሊጾም ። ** ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ዘይመልእ ግዜ ኣብ ኣውስትራሊያ ረፈረንደም ክግበር ኣብ ዝቀራረበሉ ፡ኣብ ኣደላይድ ንድምጺ ደቀባት ናብ ፓርላማ ንምድጋፍ ሰላማዊ ሰልፊ ተገይሩ ። ** ኣብ ክልል ኣምሓራ ብሰንኪ ግጭት 1,216 ኢንዳስትሪታት ስራሕ ደው ምባሎም ተሰሚዑ።
Share