ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ ፖድካስት ( 07 ሓምለ 2022)

Source: Getty Images
ሎሚ ሓሙስ 7 ሓምለ 2022 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና እዞም ዝስዕቡ እዮም፡ ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ ** ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ ዝርከብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ፡ ድሕሪ ዝወርድ ዘሎ ከቢድ ዝናም ፡ ጽፍሒ ወሓይዝ ይውስኽ ኣሎ፡ ዜጋታት ካብ መረበቶም ክወጹ ይሕተቱ ኣለዉ ። ** ሓያሎ ኣባላት ፓርላማ ዓቃባዊ ሰልፊ ብሪጣንያ ኣብ መሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ዝነበሮም እምነት ከም ዘጥፍኡን ካብ ስልጣኑ ክወርድ ጸዊዖም ። ** ኒክ ኪርጊዮስ ኣብ ናይ ተኒስ ሞያኡ ንፈለማ ግዜ ኣብ ዉድድር ዊምበልደን ኣብ ዉድድር ፍርቂ ፍጻመ በጺሑ ። ልኡኽና እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ዝሓዘ ጸብጻባት። ፓርላማ ኢትዮጵያ፣ ኣብ’ታ ሃገር ንዝፍጸሙ መጥቓዕታትን ፍታሕን ዘናድይ ሓደ ኮሚቴ ከምዘቆመ ኣፍሊጡ። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ክልል ደቡብ ዞባ ኮንሶ ውን ህጻናት ብጥሜት ከም ዝሞቱ ተገሊጹ። ኢጋድ: ኣብቲ ዞባ አጋጢሙ ዘሎ ደርቂ ንምምካት ሓገዝ ሓቲቱ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ምውርራድ ግብሪ (ታክስ ሪተርን) እንታይ ለውጥታት ኣለዉ፧ ዶ/ር ሳላሕ ጅሚዕ ብዛዕባ'ዚ መግለጺ ይህብ። ዝገበርናዮ ቃለ መሕትት ከነቕርብ ኢና። መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ቅድሚ ሰለስተ ባዶ (Triple Zero) ምድዋል ብጥንቃቐ ምሕሳብ። ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘዩ ክከውን።
Share