'ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ዘጋጠመኒ ጸገም ዓቢይ ኣይነበረን፡ ግን ብሓገዝ ደራርቱ ቱሉ ተፈቲሑ' - ለተሰንበት ግደይ

New records and victories

Source: Nippo Worldathletics

ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (12/10/2020) ** ኢትዮጵያዊት ለተሰንበት ግደይ ኣብ ውድድር 5000ሜ ብጥሩነሽ ዲባባ ተታሒዙ ዝጸንሐ ክብረወሰን ብምስባር ብልዕሊ ኣርባዕተ ካልኢት ኣመሓይሻቶ፡ ** ዮሚፍ ከጀልቻ ከኣ ኣብ ሀንገሎ፡ ነዘርላንድስ፡ ኣብ ውድድር ጉያ እግሪ 5000 ሜ ተዓዊቱ፡ ጂሮ ዲኢታልያ ካልኣይ ሰሙኑ ቀጺሉ፡ ** ኤርትራዊ ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር እንኮ ተሳታፊ ዞባና ብምዃን ይቕጽል፡ ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽዮንን ኢትዮጵያዊ ነጋሲ ሃይሉ ኣብርሃን ናይ ቨነዝያ ውራዮም ይዛዝሙ፡ ** ሓደ ወኪል ኣትሌታት ቅድድም ብሽግለታ ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ብቕዓቶም ማዕረ ወይ ዝለዓለ ካብ ኤውሮጳውያን ተቐዳድመቲ ክንሶም ማዕረ ዕድላት ግን ኣይረኽቡን ኣለውን ክብል ገሊጹ



Share