“ዓድና ኣቲና ናብ ገዛና ከይንኸይድ ንፈርሕ፡ ክሕልውና ዝግበኦም ይቐትሉና ኣለው፡ ጸጉርኻ ምቑናን ገበን ኣይኮነን።” እንዲዲ

Source: Twitter
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (19/10/2020) ** ኣብ ፖላንድ ሻምፒዮና ቅድድም ጉያ እግሪ ፍርቂ ማራቶን ኣትለቲክስ ዓለም ግዲንያ 2020 ተኻይዱ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ሳልሳይ ደረጃታት ሒዞም ወዲኦም፡ ** ሴካፋ ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ-19 ደው ኢሎም ዝጸንሑ ንጥፈታት ብምቕጻል እዚ ዓመት ቅድሚ ምውድኡ ክልተ ናይ መንእሰያት ግጥማት ከካይድ እየ ኢሉ፡ ** ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ያቆብ ደበሳይ ጋንታ ቀይሩ፡ ምስ ኤንቲቲ ፕሮ ሳይክሊንግ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ውዕል ፈሪሙ፡ ** ጨካን ኣተሓሕዛን በደላትን ፖሊስ ናይጀርያ ዝቃወሙ ሰልፍታት ኣብ’ታ ሃገር ኣብ ዝበራትዕሉ ዘለው እዋን ህቡባት ስፖርታውያን ዓለም ደገፎም ንመንእሰያት ናይጀርያ ይገልጹ
Share