ድሕሪ ብይን ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ው/ሕ/ሃ ኣንፈት ጉዕዞ ናበይን ብኸመይን'ዩ?
HRC Eritrean Protests Dr Daniel Rezene
መበል 32 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ው/ሕ/ሃ ካብ መፋርቕ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ክሳብ ፈለማ ሓምለ ተካይዱ ባሕቲ ሓምለ ንኤርትራ ዝምልከት ብይን 32/34 ከምዘሕለፈ ዝዝከርዩ። ውሳነ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ብዘይድምጺ ምቑጻር ዝሓለፈ ኮይኑ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ብሓጎስ ተቐቢላቶ። መንግስቲ ኤርትራ ብኣንጻሩ ብኡ ንብኡ ነጺግዎ። እሞ ድሕሪ'ዚ ዝካየዱ መስርሓት እንታይ ይመስሉ? ዶክተር ዳኒኤል ረዘን ሓጺር መብርሂ ሂቡናሎ።
Share