ቃለ መሕትት ምስ ዶ/ር ዳኒ ኤል መኮንን ብዛዕባ ዉጺት መርማሪት ኮሚሺን
Daniel mekonn Source: Daniel mekonn
መርማሪ ኮምሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፣ ሰብ-መዚ ኤርትራ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት Crimes Against Humanity ከምዝፈጸመ ከምዘረጋገጸ ገሊጹ።ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፡መንግስቲ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ይፍጸም ከምዘሎ ኣብ መደመምታ ዝበጽሐ መርማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ኤርትራ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ምፍጻሙን ዘይምፍጻሙን ንምጽራይ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ተልእኾኡ ንሓደ ዓመት ተናዊሑ መጽናዕቱ ኣብ ምቕጻል ድሕሪ ምጽንሑ፣ትማሊ ረቡዕ 8 ሰነ 2016 ኣብ ጀኔቫ ኣብ ዘጋብኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ሰብ መዚ መንግስቲ ኤርትራ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት Crimes Against Humanity ከምዝፈጸመ ኣረጋጊጹ። ነዚ ብዝምልከት መብርሂ ክህበና ንበዓል ሞያ ሕጊ ሰብ ኣዊ ጉዳያት ዝኾነ ዶ/ር ዳኒኤል መኮንን ኣዘራሪብናዮ ኣለና እንሆ።
Share