"ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኲናት ሽፋን ጌርካ ብመራሕቲ ሰልፊ ሕዳሰ ምስቲ ስርዓት ምቕራብ ዝተወስድ ስጉምቲ ኣዝዩ ሓደገኛ'ዩ ነይሩ።"እድሪስ ኑር

Credit: Supplied
ሓደ ካብቶም ኣንጻር ኣብ ኤርትራ ዘሎ መንግስቲ ዝቃወሙ ዘለዉ ዉድባት "ሰልፊ ሕዳሰ ኤርትራ" ዝበሃል ኮይኑ፡ ኣብ ትግራይ ዝተገብረ ኲናት ስዒቡ ኣብ ዉሽጢ ምሪሕነቱ ምክፍፋል ተራእዩ። እቲ ዝጸንሐ መሪሕነት ሰልፊ፡ "ናይ ፓራዳይም ለውጢ " ብምግባር ምስ መንግስቲ ኤርትራ ክንሰርሕ ኢና" ዝብልን ንዕኡ ዝመሳሰል ዘረባታትን መትከላትን ሒዙ። ነዚ ዝቃወሙ ድማ እዚ ካብ መትከልና ወጻኢ እዩ ብምባል ጉባኤ ኣካይዶም 'ግዝያዊ መሪሕነት ሰልፊ ሕዳሴ ኤርትራ ድማ ኣቑሞም። ምስዚ ዝተኣሳሰር ዛዕባ ምስ ኣቦ ወምበር ናይቲ ሰልፊ ግዝያዊ መሪሕነት ኢንጂኔር እድሪስ ኑር ዝተገብረ ቃለ መጠይቕ።
Share