“ሎሚ፡ ህሉው ኩነታት ሱዳን ካብ ቀደም ዝኸፍአን ተኣፋፊን እዩ ዘሎ።” ጋዜጠኛ ብርሃን እስማዒል ጃብር

Berhan Ismail Jabr Source: Supplied
መንግስቲ ዑመር ኣልበሺር ብህዝባዊ ምልዕዓላት ምስተዓልወ፡ ብወተሃደራዊን ሲቪልን ዝቖመ መሰጋገሪ መንግስቲ ነታ ሃገር ከመሓድራ ጸንሑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መንጎ ክልቲኡ ክንፊ ናይቲ መንግስቲ ዘሎ ምውጣጥ ነታ ሃገር ናይ ሓደጋ ኩነታት ኣንጸላልይዋ ኣሎ። እዚ ኣብ ሱዳንን ኣብቲ ከባቢን ከምጽ ኦ ዝኽእል ቅልውላው እንታይ ክመስል ከምዝኽእል፡ ኣብ ራድዮ 3CR ጋዜጠኛን፡ ንፖለቲካ ሱዳን ብቐረባ ዝከታተልን ብርሃን እስማዒል ጃብር ኣዘራሪብናዮ ኣሎና ቀዳማይ ክፋሉ ቀሪቡ ኣሎ።
Share