ብሰንኪ ኮቪድ-19 ኣብ ህንዲ ዝሞቱ መንግስቲ ካብ ዝገልጾ ንላዕሊ ሚልዮናት'ዮም፡ መልከፍታት ኣብ ኢንዶነዝያ ኣብ ዓለም ዝለዓሉ'ዮም

Source: AAP
ቁጽሪ ሓደስቲ መልከፍታት ኮቪድ-19 ኣብ ኢንዶነዝያ ብጣዕሚ ብዙሓት’ዮም ዘለው፡ ንመንግስቲ’ታ ሃገር ከኣ ነቶም ኣውጺእዎም ዝጸንሐ ቀይድታት ምንቅስቓስን መምርሒታት ዕጽዋን ክሳብ መወዳእታ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ሰሙን ከናውሖም ኣገዲዶሞ። እዚ ዝመጽእ ዘሎ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝርከቡ ተንተንቲ ዘካየድዎ ሓደ መጽናዕቲ ቁጽሪ መወትቲ ኣብ ህንዲ ካብ’ቲ መንግስቲ ዘቕርቦ ወግዓዊ ቁጽሪ ብሚልዮናት ይበዝሕ ኢሎም ኣብ ዝገለጸሉ’ዩ።
Share