ኣብ ኣውስትራልያ ብዋጋ ሕስር ዝበሉ ኣገልግሎታት ሕክምና ብኸመይ ትረኽቡ፧

Happy female gynecologist looking at smiling man touching stomach of pregnant woman in clinic

Credit: Maskot/Getty Images

ኣውስትራልያውያን ዜጋታት፣ ቀወምቲ ነበርቲን ስደተኛታትን ነጻ ወይ ብዋጋ ዝሓሰረ ሕክምናዊ ክንክንን መድሃኒትን ኣብ’ቲ ኣድማሳዊ ስርዓተ ክንክንጥዕና ኣውስትራልያ ዝኾነ ሜዲኬይር ብምምዝጋብ ክረኽቡ ይኽእሉ። ሎሚ ገለ ካብ’ቶም ረብሓታትን ኣሰራርሓታትን ሜዲኬይር ከም’ኡ’ውን ምስ’ቲ መድሃኒታት ዝድጉም መደብ Pharmaceutical Benefits Scheme ተሳንዩ ወይ ብሓባር ዝህቦም ብዙሓት ቅናስ/ምጉዳል ዋጋታት ክንምልከት ኢና።


Key Points
  • Medicare and the Pharmaceutical Benefits Scheme are part of Australia’s subsidised universal healthcare system
  • Medicare card holders pay little to no money on many medical services
  • If you visit a medical practise that ‘bulk bills’, you will not have to pay anything out of pocket
  • Medicare card holders may sometimes need to pay the difference between the full cost of a product or service and the amount the government subsidises
ኣውስትራልያውያን ዜጋታት፣ ቀወምቲ ነበርቲን ስደተኛታትን ነጻ ወይ ብዋጋ ዝሓሰረ ሕክምናዊ ክንክንን መድሃኒትን ኣብ’ቲ ኣድማሳዊ ስርዓተ ክንክንጥዕና ኣውስትራልያ ዝኾነ ሜዲኬይር ብምምዝጋብ ክረኽቡ ይኽእሉ።

ሜዲኬይር ንሓኪም ምርኣይ፣ መርመራታት ደምን ካልኦት ሕማማትን፣ ስካን፣ ኤክስ-ረያትን ገለ መጥባሕታት ወይ መስርሓትን ዘካተተ፣ ንወጻኢታት ሰፊሕ ዝርጋሐ ዘለዎም ኣገደስቲ ኣገልግሎታት ሕክምና ይሽፍን ወይ ይድጉም።

ካብ’ዚኦም ብተወሳኺ ዓመታዊ መርመራ ኣዒንቲ ብሓኪም ዓይኒ/ኦፕቶሜትሪስት ከም’ኡ’ውን ክታበታት ህጻናትን’ውን ይሽፍን። ሜዲኬይር ምስ’ቲ ወጻኢታት’ቶም ብሓኪም ዝእዘዙ መድሃኒታት ዝሽፍን ወይ ዝድጉም ፒቢኤስ (Pharmaceutical Benefits Scheme) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ብጥምረት ወይ ብሓባር ይሰርሕ።

ኣብ ሰርቪስስ ኣውስትራልያ ሰራሕተኛ ሓበሬታ ማሕበረሰብ ጃስቲን ቦት እቲ ቀዳማይ ትወስድዎ ስጉምቲ ነዚ ኣገልግሎት ንምርካብ ሜዲኬይር ካርድን ቁጽርን ብምውጻእ’ዩ ይብል።

“ሓንሳብ ምስ ሜዲኬይር ምስ ተመዝገብኩም፣ ሰርቪስስ ኣውስትራልያ ቁጽሪ ሜዲኬይር ካርድኹም ይሰደልኩም ወይ ይልእከልኩም፣ ነዚ ሜዲኬይር ካርድ ድማ ናብ ዶክተርኩም ክትረኣዩ ክትከዱ እንከለኹም ክትማልእዎ ወይ ሒዝኩሞ ክትከዱ ኣለኩም። እዚ ሜዲኬይር ካርድ ናይ ውልቅኹም ቁጽሪ ሜዲኬይር ይህልዎ።"

"ነዚ ሜዲኬይር ካርድ ቀረብ’ቶም ኣገልግሎታት ክትረኽብሉ ክትጥቀምሉ ትኽእሉ ኢኹም፣ ሕስር ዝበለ ዋጋ ዝሽየጡ ሓኪም ዝእዝዞም መድሃኒታት ካብ ቤት መሸጣ መድሃኒትኩም ወይ ፋርማሲ፣ ወይ ቅናስ ክፍሊታት ካብ ዶክተር ወይ ብመንገዲ ባልክ ቢሊንግ/ምሉእ ድጎማ መንግስቲ ከም ተኽእሎ ዝኾነ ዝኽፈል ዘይብልኩም ማለት’ዩ።”
LISTEN TO
SG Calling an Ambulance Podcast image

How to call an ambulance anywhere in Australia

SBS English

09:50
ኣብ ኣውስትራልያ ክትሓሙ እንከለኹም፣ መጀመርያ ኣብ ሓደ ክሊኒክ ወይ ማእከል ጥዕና ንሓደ ሓፈሻዊ ሓኪም ቤተሰብ (General Practitioner (or GP)) ክትከዱዎ ወይ ክትረኣዩ ኣለኩም፣ ህጹጽ ኩነታት እንተዘይኮይኑ ማለት’ዩ።

ህጹጽ እንተኾይኑ ብቐጥታ ናብ ሆስፒታል ክፍሊ ህጹጽ ረዲኤት ወይ ሕክምና ክትከዱ ይህልወኩም።

እንተኾነ ግን ኣብ ብዙሓት ተርእዮታት፣ ዝተጸልኦም ሰባት ወይ ሕክምናዊ ምክትታል ወይ መርመራ ዘድልዮም፡ ንከም በዓል ዶክተር ዳግላስ ሆር፣ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ሰሜናዊ መንበሪ ከባቢታት ሲድኒ ሓኪም ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ይኸዱዎም ወይ ክረኣዩ ይመጽዎም።
ሓደ ሓኪም ቤተሰብ/ጂፒ ኣብ ኣውስትራልያ ምናልባት 80-90% ካብ ዝበዝሑ ጸገማት ጥዕና ሕሙማት ናብ’ቶም ዶክተራት ዝመጹሎም ይርእይዎም። ዝኾነ በቲ ማዕጾ ዝኣቱ ክሕክምዎ’ዮም።
“እንታይ ይስማዓኩም/ምልክታት ሕማምኩም ክትነግርዎም እንከለኹም ክሰምዑኹም’ዮም፣ ጸገምኩም እንታይ ምዃኑ ከረጋግጹ ንምፍታን፣ ድሕሪኡ ንፍወሳ/ሕክምና እንታይ ክግበር ከምዘድሊን ነቶም ሕሙማት ኩሉ’ዚ ክገልጹሎምን ክፍትኑ’ዮም። እዚኦም ንሕሙማት ብኹለንተናዊ ኣገባብ ክፍውሱ/ክሕክሙ ዝኽእሉ ዝበለጹ ሰባት/ክኢላታት ሕክምና’ዮም።” ክብል ይውስክ ዶክተር ሆር።



እቶም ሓኪም ቤተሰብ/ጂፒ ነቶም ሕሙማት ተወሰኽቲ መርመራታት ወይ ካልኦት ሕክምናዊ መስርሓት ክካየደሎም ክልእክዎም ወይ ናብ ፍሉያት ክኢላታት ሓካይም (ስፐሺያሊስትስ) ከመሓላልፍዎም ይኽእሉ።

ሓካይም ቤተሰብ ብተወሳኺ ንሕሙማት ናብ ቤት መሸጣ መድሃኒታት ከይዶም ፈውሲ/መድሃኒት ዝገዝእሎም ወረቓቕቲ ይህብዎምን ክታበታት ክወስዱ ይመኽርዎምን።


ገለ ኣገልግሎታት ምሉእ ብምሉእ ብሜዲኬይር ወጻኢታቶም ዝተሸፈኑ’ዮም፣ ካልኦት ከኣ ብኸፊሉ ጥራይ።

እዚ ማለት ሕሙማት ኣብ መንጎ’ቲ ምሉእ ክፍሊት ወይ ዋጋ ናይ’ቲ ምህርቲ ወይ ኣገልግሎትን፣ እቲ ሜዲኬይር ዝሽፍኖን ዘሎ ፍልልይ ክኸፍልዎ የድልዮም ይኸውን ማለት’ዩ።

ሓደ ኣገዳሲ ባህሪይ/ኣሰራርሓ ሜዲኬርትን ስርዓተ ኣሰራርሓ ሓካይም ቤተሰብን (ጂፒ ሲስተም) እቲ ‘ባልክ ቢሊንግ’’bulk billing’ ዝበሃል’ዩ።

ኣብ ሓደ ብባልክ ቢል ዘኽፍል (ባልክ ቢል ዝቕበል) ሓኪም/ኣገልግሎት ሕክምና እንተተራኢኹም ኣብ መወዳእታ ናይ’ቲ ትረኽብዎ ኣገልግሎት ምኽሪ ወይ ሕክምና ዝኾነ ትኸፍልዎ ኣይክህሉን’ዩ። ዶክተር ሆር ብኸም’ዚ ይገልጾ።



“ናብ'ቲ ትኸድዎ ሕክምና፡ ዝርእየኩም ሓኪምን ትረኣይሉ ኩነታትን ዝምርኮስ፡ ነቲ ዝሃቡኹም ወይ ዝገበርልኩም ምኽሪ ሕክምና ብመንገዲ ሜዲኬይር ብቐጥታ ንመንግስቲ ከምዝኸፍሎ ወይ እቶም ሕሙማት ብውልቆም ካብ ጁባኦም ክኸፍልዎ ኣብ ምግባር ነቶም ዶክተራት ወይ ነቶም ኣገልግሎት ሕክምናን ይምልከት። ናብ ባልክ ቢሊንግ ዝገብር ዶክተር ከይድኩም እንተተራኢኹም፡ ብውልቅኹም ካብ ጁባኹም ትኸፍልዎ ሸለል ክብሎ ሕጉስ ዝኾነን ሜዲኬይር ክኸፍሎ ሕጉስ እንተኾይኑን፡ ካብ ጁባኹም ተውጽእዎ ዝኾነ ገንዘብ የለን።”
ይብል ዶክተር ሆር።

Healthcare worker at home visit
Seniors and low-income Australians may access additional discounts. Credit: filadendron/Getty Images
ናብ ባልክ ቢል ዘይገብር ሓኪም እንተኾይንኩም ግን ትረኣዩ ኣገልግሎትኩም ወይ ምኽርኹም ተዋሂብኩም ምስ ወዳእኩም እቲ ምሉእ ክፍሊት ክትከፍልዎ ዝለዓለ ተኽእሎ'ሎ።

እንተኾነ ግን፡ ብመንገዲ ስርዓተ ምምላስ ክፍሊት ሜዲኬይር (ሜዲኬይር ሪበይት ሲስተም) ሕጂ'ውን ገለ ካብ'ቲ ዝኸፈልኩሞ ክምለሰልኩም ከተመልክቱ ትኽእሉ ኢኹም። ካብ ሰርቪስ ስ ኣውስትራልያ ዝኾነ ጃስቲን ቦት ይገልጽ።
“እቲ ዝቐለለ ኣገባብ ገንዘብኩም ወይ ዝኸፈልኩሞ ካብ ሜዲኬይር ክምለሰልኩም ኣብ'ቲ ቤትጽሕፈት ናይ'ቶም ሓኪምኩም ምጅማር'ዩ። ባዕሎም ነቲ መመልከቲኹም ናብ ሜዲኬይር ከእትውልኩም ይኽእሉ'ዮም። ድሕሪ ገለ እዋን ከኣ ሜዲኬይር ነቶም ክፍሊታትኩም ናብ ሕሳብ ባንክኹም የእትወልኩም። ከምኡ ክትገብሩ እንተዘይክኢልኩም ናብ ሜዲኬይር ክትከዱ ከድልየኩም'ዩ፡ ብኦንላይን ኣብ ሰርቪስስኣውስትራልያ.ጋቭ.ኤዩ ክትፍጽምዎ ትኽእሉ ኢኹም።”
Justin Bott, Services Australia
ከፈልቲ ግብሪ ኣውስትራልያ ብመንገዲ ስርዓተ ቀረጽ ኣታዊ፡ ሜዲኬይር ሌቪ ተባሂኩ ብዝጽዋዕ፡ ንሜዲኬይር ይምውልዎ።

እቶም ኣበርከትቲ ወይ ከፈልቲ እቲ መጠን ናብ'ቲ ስርዓት ዘበርክትዎ ከከም ዕድሚኦምን ውልቃዊ ኩነታት ስድራቤቶምን ይፈላለ። ተኣፈፍቲ፡ ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ኣውስትራልያውያን ዜጋታትን ቀወምቲ ነበርትን፡ ንኣብነት ሕድገት ዝፈቅድ ወይ ኮንሴሽን ካርድ ዘለዎምን ናይ መንግስቲ ካርድ ንዓበይቲ ዘለዎምን፡ ተወሰኽቲ ረብሓታት ሜዲኬርን ቅናሳት ብመንግስቲ ዝምወሉ መድሃኒታትን ይግበረሎም።

ክልቲኦም ማለት ስርዓተ ሜዲኬይርን ፒቢኤስን ብተወሳኺ ተጠቀምቲ ዝኸፍልዎም ገደብ ክፍሊት የቐምጡ'ዮም፡ እዞም ገደባት እንተተሓሊፎም ሕክምናዊ ወጻኢታት ሕሙማት መሊሱ ቅናስ ይግበረሎም።

“ኣብ መላእ'ቲ ዓመት ንሕክምናዊ ወጻኢታት እኹል እንተኸፊልኩም፡ ኣብ'ቶም ገደባት ትበጽሑ፡ ድሕሪኡ ትኸፍልዎ ኣዝዩ እናሓሰረ ይኸይድ። ሓደ ካብ'ቶም ረብሓታት ከም ሓደ ስድራቤት እነተተመዝጊብኩም፡ ሰብኣይ፡ ሰበይትን ህጻናትን ተደሚርኩም ነቶም ገደባት ቀልጢፍኩም/ቀዲምኩም ክትበጽሕዎም ኢኹም፡ ቀልጢፍኩም ከኣ ዝሓሰሩ መድሃኒታት ክትረኽቡ ትኽእሉ ወይ ዝሓሰሩ ክፍሊታት ብዶክተር ክትረኣዩ እንከለኹም ይህልወኩም። ከም ሓደ ስድራቤት ክትምዝገቡ ጽቡቕ ሓሳብ እዩ፡ ኩሎም'ቶም ወጻኢታትኩም ተደሚሮም ናብ'ቶም ገደባት ክፍሊት ቀልጢፎም ክበጽሑልኩም መታን።”

ሕሙማት ብተወሳኺ ብመንግስታዊ/ህዝባዊ ስርዓት ዘይተሸፈኑ ኣገልግሎታትን ሕክምናታትን፡ ንኣብነት ሓኪም ስኒ ክትረኣዩ፡ ኣገልግሎት ኣምቡላንስን ገለ ክታበታትን- ክኸፍለሎም ክሕግዞም ንሜዲኬይሮም ብብሕታዊ መድሕን ጥዕና ክድግፍዎ ክመርጹ ይኽእሉ'ዮም።

ብሕታዊ መድሕን ጥዕና ብተወሳኺ ንሕሙማት ኣብ ብሕታዊ ሆስፒታላት ክረኣዩ የፍቅደሎም ወይ የኽእሎም፡ እዚ ኸኣ ንቀረባት ህጹጻት ዘይኮኑ መጥባሕትታትን ካልኦት መርመራታትን የቀላጥፈሎም።

“ኣብ ትሕቲ'ዚ ህዝባዊ ኣሰራርሓ፡ ንስኹም ኣብ ዝርዝር ተጸበይቲ ህዝባዊ ኣገልግሎት ትኣትዉ፡ እቲ መጥባሕቲ ክካየደልኩም ከኣ ተራኹም በጺሑ ስምኩም ኣብ ላዕሊ ክሳብ ዝወጽእ ትጽበዩ። እቲ ናይ ብሕታዊ መድሕን ጥዕና ንዓኹም ናትኩም ዶክተር ኣብ ብሕታዊ ወይ መንግስታዊ ሆስፒታል ክትመርጹ የፍቅደልኩም፡ እቲ መጥባሕቲ ዝካየደልኩም ከኣ ነቲ ናይ መንግስቲ እንተትጽበዩ ኔርኩም ካብ ዝካየደልኩም ንላዕሊ ኣዝዩ ቀዲሙ ይካየደልኩም ማለት'ዩ።”
LISTEN TO
Here’s what you need to know about buying a private health cover image

Here’s what you need to know about buying a private health cover

SBS English

07:13
ዶክተራትን ማእከላት ሕክምናን ኣብ ኣውስትራልያ ቋንቋ እንግሊዝ ጽቡቕ ዘይዛረቡ ሰባት ምሕካም ለሚዶሞ'ዮም።

ዶክተር ሆር ብዙሕ ግዜ ቀለልቲ መልእኽታት ንምምሕልላፍ ቋንቋ ዝትርጉም ሞባይል ኣፕ ይጥቀም'የ ይብል። ንዝያዳ ዝተሓላለኹ መግለጺታት ግን ኣብ ኣገልግሎት ትርጉም ይምርኮስ።

“ንሕና ኣብ'ቲ ዘለናዮ ቦታ ኮይንና ክንድውለሎም ንኽእል ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ትርጉም ኣለዉና። እዚ ብመንግስቲ ዝምወል ኣገልግሎት ትርጉም'ዩ። እዚኦም ነቲ ሓኪም ቤተሰብ/ጂፒ ኣብ ቦትኡ ብመጉልሒ ድምጺ ቴሌፎን ክትርጉምሉ ይኽእሉ፡ እቶም ሕሙማት ይዛረቡ፡ እቲ ተርጓሚ ክርደኦ ይኽእል፡ እቲ ጸገም እንታይ ምዃኑ ክአኣ ነቶም ዶክተራት መሊሱ ይትርጉመሎም።”

Virtual medical consultation using a laptop
Telephone and online virtual consultations have become more common in Australia since the COVID-19 pandemic. Credit: Phynart Studio/Getty Images
ዶክተር ሆር ብዙሓት ሕሙማት ናብ ዶክተሮም ብኣካል ክኸዱ እንተዘይክኢሎም ካብ ቆጸራታት ብቴሌፎን ዝወሃብ ኣገልግሎት ጥዕና/ቴሌሄልዝን ብኢመይል ወይ ብኤሌክሮኒክ ዝለኣኽ መአዘዚ መድሃኒት ሓኪም/ኢ-ስክሪፕትን'ውን ክረብሑ ወይ ክጥቀሙ ይኽእሉ'ዮም ክብል ይውስኽ።

እዚኦም ኣገልግሎታት'ውን ብሜዲኬይርን ፒቢኤስን ዝሽፈኑ'ዮም።

“ቴሌሄልዝ ንኽጥቀሙ እቶም ተጠቀምቲ ነቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ 12/ኣዋርሕ ናይ'ቶም ዶክተራት ሕሙማት ክኾኑ ኣለዎም። ቴሌሄልዝ ነቶም ዶክተራት ብቐጥታ ብድምጺ ወይ ብቪድዮ ብምምኽኻር ምስ'ቶም ዝሕክምዎም ክዘራረቡ ይሕግዝዎም። ነቶም ሕሙማት ክንፍውሶም ንኽእል ኢና፡ ምኽንያቱ ሕጂ ናይ ኲኣር ኮድ ዘለዎም መድሃኒት ንእዝዘሎም ወረቓቕቲ ክንጽሕፍ ዘኽእሉና ኢ-ስክሪፕትስ ክንገብር ንኽእል ኢና፡ ብኢመይል ጌርና ንሕሙማትና ንልእከሎም፡ ንሶም ከኣ ናብ ቤት መሸጣ መድሃኒት ብምኻድ ነቲ መድሃኒት ኣብ'ቲ መአዘዚ ወረቐት ዘሎ ንሓኪም ቤተሰቦም ከይተንከፉ ይወሃቦም።”

Share