ኣህጉራዊያን ተመሃሮ ናብ ኣውስትራሊያ መጺኦም ክመሃሩ ንምትብባዕ፡ ቀሊል ናይ ቪዛ ሕድገታትን ካልእ መተባብዒን ተተኣታቱ (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ)

Settlement Guide

Source: Getty Images

ካብዚ ቐጺሉ ዝቐርብ ትሕዝቶ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ መደብና’ዩ፡ ናይ ሎሚ ኣርእስቲ፥ “ኣህጉራዊያን ተመሃሮ ናብ ኣውስትራሊያ መጺኦም ክመሃሩ ንምትብባዕ፡ ቀሊል ናይ ቪዛ ሕድገታትን ካልእ መተባብዒን ተተኣታቱ፣”   ኣውስትራሊያ ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመታት ናይ ዶብ ቀይድታት ንኣህጉራውያን ተማሃሮ ማዕጾኣ ከፊታቶ ኣላ ። እቲ መንግስቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኣውስትራሊያ ንዓለምለኸ ተማሃሮ ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ዶባት ድሕሪ ምቕላሉ ነቶም ናይ ተማሃሮ ቪዛ ዝሓዙ ጉዕዞኦም ስሉጥ ክኸውን ዝቐለለ ናይ ቪዛ መስርሕ ከምዝኸውን ኣፍሊጡ ። 



Share