ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ከባቢ ዘላምበሳ ሓድሽ ምንቅስቓስ ከምዘሎ ዝናፈሱ ዘለው ዜናታት ካብ ክውንነት ዝረሓቐ እዩ።" ምም/ከተማ ዓድግራት።

SBS Tigrinya Homeland Report

Credit: Timon Reinhard/Unsplash

ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ኤርትራውያን ነጠፍቲ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ትግራይ ን620 ዝተጸገሙ መራሕቲ ስድራ ነበርቲ ከተማ ኮረም ሓገዝ ከም ዝገበሩ ተገሊጹ። ኣብ ከባቢ ዘላምበሳ ናይ ወተሃደራት ኤርትራ ሓድሽ ምንቅስቓስ ከምዘሎ ዝናፈሱ ዘለው ዜናታት ካብ ክውንነትን ሓቅን ዝረሓቐ ምዃኑ ምምሕዳር ከተማ ዓድግራት ኣፍሊጡ። ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማልያ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ንዘስምዖ ነቔፈታ ግብረ-መልሲ ሂቡሉ። ኣብ ኢትዮጵያ ይነብሩ ዝነበሩ 780 ሱዳናውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ።



Share