"ርክብ ሰበ-ስልጣን ትግራይን ኤርትራን ንኢትዮጵያን ኤርትራን ዳግም ናብ ኲናት ዘይኣትዋሉ ክኸውን ኣለዎ።" ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ (ጸብጻብ)

SBS Tigrinya Homeland Report

Credit: Timon Reinhard/Unsplash

ኣብ ከተማ ሽረ ዝተጀመረ መድረኽ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ብሰንኪ ረብሻ ተቛሪጹ። ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ርክብ ሰበ-ስልጣን ትግራይን ኤርትራን ንኢትዮጵያን ኤርትራን ዳግም ናብ ኲናት ዘይኣትዋሉ ክኸውን ከም ዘለዎ ተዛሪቡ። ብዛዕባ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብዝምልከት ድማ ወተሃደራት ኤርትራን ዕጡቓት ኣምሓራን ካብ ትግራይ ክወጹ ጸዊዑ እቲ ስምምዕ ምሉእ ብምሉእ ክትግበር ሓቲቱ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዶ/ር በድር ዓብዱልዓጢ ንዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ ሪፓብሊክ ግብጺ፡ ኣብ ኣስመራ ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ። ኣባል ኮሚተ ዝምድናታት ወጻኢ ባይቶ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ሓያል ጸቕጢ ክግበርን ንተቓወምቲ መንግስቲ ኤርትራ ሓገዝ ክግበረሎምን ጸዊዑ



Share