"ህዝቢ ወልቃይት ካብ ትግምቶ ንላዕሊ ትግራዋይ'ዩ" ኣናንያ ሴቭ ዓድና " ኣናንያ ሴቭ ዓድና
SBS Source: SBS
ጉዳይ ወልቃይት ፀገም መንነት ዘይኮነስ አብ ሞንጎ ተጋሩ ዘሎ ሕመቕ ዝፈጠሮ ፀገም እዩ፡፡ሕቶ መንነት እንተ ዝከውን አብ 1960ታት 1970ታት ካብ በገ ምድር ተበጊሱ ናብ ህወሓት ተፀምቢሩ አይምተቓለሰን፡፡ እቲ አብ ዝሓለፈ ቅንያት ንዝተወለዐ ግጭት ምክንያት ዝኮነ ኮለኔል ደመቀ እውን ምስ ህወሓት ንደርጊ አይምተቓለሰን፡፡ አብቲ እዋን ምስ ዝነበረ ናይ አምሓራ ውድብ ብኣዴን ምተቓለሰ ነይሩ፡፡ ጉዳይ ወልቃይት ጉዳይ ስእነት ሰናይ ምምሕዳር፡ ስእነት ዲሞክራሲ እዩ፡፡ እዚ ፀገም ተጋሩ ብሓባር ምስ ዝዝትዩ እዩ ዝፍታሕ፡፡ዘፀዐት ኣናንያ ሴቭ ዓድና ን ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ካብ ዝሃቦ ቃለ መሕትት ዝተወሰደ፡፡ት ኣናንያ ሴቭ ዓድና ን ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ካብ ዝሃቦ ቃለ መሕትት ዝተወሰደ፡፡
Share